ልኡኽ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሚኒስትሪታትን ሃገራውያን ማሕበራትን ዘትዩ

ኣ. ዜ. ኤ.

ኣብ ኤርትራ ናይ 5 መዓልታት ዑደት ዘካይድ ዘሎ ቴክኒካዊ ልኡኽ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ4 ለካቲት ምስ ሚኒስትሪታትን ሃገራውያን ማሕበራትን ኤርትራ ተራኺቡ ዘትዩ።

እቲ ልኡኽ፡ ኣብ ሰለስተ ቀዳምነታት ኤርትራ፡ ማለት ፍርዳዊ ኣካላት፡ ስንኩላንን ውሕስነት ማይን ሓበሬታ ብምእካብ፡ ቴክኒካዊ ምትሕግጋዝ ንምእማም ዝዓለመ’ዩ። 

ኣብ መኽፈቲ ናይ’ቲ ርክብ፡ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኤርትራ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝበቘለት ሃገር ብምዃና፡ ነቲ ጉዳይ ኣብ መስርሕ ህንጸት ሃገር ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት፡ ጽላታት፡ ፖሊሲታትን ፕሮግራማትን ትሰርሓሉ ምህላዋ ብምሕባር፡ እቲ ሕጂ ዝዝረበሉ ዘሎ፡ ኤርትራ ኣብ 2014 ብመሰረት ዘቕረበቶ ሃገራዊ ጸብጻብ ዝተቐበለቶ ለበዋታት፡ ነዚ እምነትን ጻዕሪን ልኡኽ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ምስ ሚኒስትሪታትን ሃገራውያን ማሕበራትን ዘትዩ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ኣስዒቡ፡ ንዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን ሃገራዊ ማሕበራትን ዝምልከት ናይ ምውህሃድ ባይታ ብምፍጣር ኣብ 2015 ዝተኻየደ ጻዕሪ ምክትታል ከምእተገምገመን ኣብ 2016 ዝቕጽል ናይ ስራሕ መደብ ወጺኡ ከምዘሎን’ውን ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ’ቲ ኤርትራ ዝሰርዓቶ ቀዳምነታት ዘካየደቶን እተካይዶ ዘላ ጻዕሪን ክግበር ዝግብኦ ተክኒካዊ ምትሕግጋዝን ብዝምልከት ተመያዪጦም። ኣብ መዛዘሚ’ቲ ርክብ፡ ኣወሃሃዲት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ሓላፊት ፕሮግራም ልምዓት ው.ሕ.ሃን ሚስስ ክርስቲን ኡሙታኒ፡ ኣብ ኤርትራ ዋላ’ኳ ብድሆታትን ሕጽረታትን እንተሎ ዓበይቲ መደባት ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ቤት-ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ብመሰረት ቀዳምነታት መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኣብ ሽርክነት ዝተመርኰሰ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ኣብሪሃ።

ንሳ ብተወሳኺ፡ ተነዲፉ ዘሎ መደብ ቀልጢፉ ተጻፊፉ፡ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ንምዕዋቱ ዘድሊ ቴክኒካዊን ፋይናንሳዊን ደገፍ ክገብር ቅሩብ ምዃኑ ኣረጋጊጻ።