ስርሒት ፈንቕል ጩራ ምሉእ ብርሃን : ብመድሃኔ ተስፋለም

ብመድሃኔ ተስፋለም

ኣዘንትውለይ‘ባ ! እቲ ናይ ትማሊ ወዕሎ
ሓወልቲ ታሪኽ ሓበን ከርስኺ ዝደጎሎ
ገለ በሊ : ስጋለት ቀጣን ንህላዌና ዝምስክሮ
ናይ ዳዊትን ጐልያድን ጽምዶ : ናጻነትና ዝወለዶ :
ስጋለት ቀጣን ! ኣዘንትውለይ ልክዕ ልክዑ
ተጋዳልይ ናባኺ ክምርሽ : እንኮ ጽንዓት ተዀልኲሉ
ወዲ ኣዳም ክንሱ ንሓጺን ዘምክኸ ብኣካሉ
ታሪኽና ብኣኺ‘ዶ ኣይኮነን ዝገረመ ተዃሕሉ :
ህላዌና ንምጥፋእ ዝደጋገም ዘይቅዱስ ኪዳን
ከምሕሱም ዳምዳም ንክርቢትን ላምባን
ከርሲ ዘጣመሮ ናይ ናጽነት ብርሃን
ዉሉድኪ‘ዩ ተሰዊኡ ንዓኺ ንምድሓን :
ተደብዩ ንሓዋሩ : ቆፎ መግዛትን ዕንደራን
በቲኽክዮ ቀለቤት : ተንኮልን ሽሕጣንን
ኣበሲርክና ብስራት ናጽነትን ብርሃንን
ካልእ የሎን ዝኾነልኪ ቀለምን ማህደርን
ውሉድኪ‘ዩ ! ህያው ባይቶን ፈራድን :
ስጋለት ቀጣን ! ሃየ ተዛረቢ ውዕሎ ናይ ትማሊ
ሃገር ሎሚ ርስቲ ኣማን ናይ ህዝቢ
ገዝሚ ክብሪ : ስፍራ ሕሩያት እንዲኺ
ዓምቢቡ በሊጉ እቲ ናይ ሓቂ ሕርያኺ :
ውሽጥኺ ዝበርህ ረዚን ዝዕያሩ ሓይልኺ
ለበዋ ጀጋኑ እዩ ነይሩ ከብቅዕ ጸገምኪ
ኣብ‘ ዚ ርህው እዋን ትፍተዊ ፍትውቲ :
ዝተዓመ ዕዮ ቅድምን ድሕሩን
ሂወት ዝተጸፍዮ ንምህርትን ንዳእቱን
ብመስዋእቲ‘ዩ ሓውዩ ኣይመስለንን ብጸሎትን ጸናጽልን
ናሓዋሩ ተደብዩ ! ዛንታ ቅትለትን ቅብጸትን :
ዋሕዚ መትንታትኪ ቀይሕ ደም ዝሕብሩ
ንጹህ ምስጢሩ ፈለግ ታሪኽ ጀጋኑ ጸይሩ
መስዋእቲ ናይ‘ቲ ጅግና `ዩ ምንጪ ጽባቐኡ :
ጅግና `ዩ ጸዓት ኣካላትኪ ዘውዲ ህላዌኺ
መኸተ ህዝብኺ‘ዩ ዝነድቆ ብራኸኺ
ሓለፋ ኩለን : ልዕልቲ ተሰሚኺ
ኣፍ ኣውጺእኪ : ገለ‘ባ ሕሹኽ በሊ
ኣንፈት ቀጻልነትይ መንገደይ ከለሊ

ዓወት ንሓፋሽ !
ብመድሃኔ ተስፋኣለም : 09.02.2016 ዝኽሪ ንስርሕት ፈንቅል