እዛ መሬት ሓቂ – ግጥሚ ብመድሃኔ ተስፋለም

እዛ መሬት ሓቂ

እዛ መሬት ፡ መሬት እቲ ሓቐኛ፡ መሬት እቲ ጅግና
ኣብ ከርሳ ተማሙቕ፡ ትበሃግ ልዕሊ ብሩር ልዕሊ ወርቂ
እዛ መሬት ጅግንነት ማሕጎዳ ሓቂ፡
ኣቱም ሰባት ገለ ኣለዋ እዛ ምድሪ፡
ላህመት ወሲዳ ወለላ ትፈሪ፡
እዛ መሬት ዘስተንፍስ ኣየራ ትንፋስ ቋጺሩ፡
ዝሕረስ ምድራ በራዉር ሓንጊሩ፡
ኣብ‘ዛ ጠላም ዓለም፡ ብዓውታ እንተኣድመጸ
ዝናር ዓጢቑ ዝያዳ እንተረሃጸ
ሓቁ እዩ ንገድልን መስገደልን ኣሕሊፉ
መሬት እኮያ ሕልቡ ንጽፉ፡
ከም ጎረባብታ ብእንግዶት እኳ ዘይመጸት
ሰዊት መናእሰይ ደቃ፡ ኣብ ወሽጢ ነብሳ እናኸተት
ገዝኣ ዓጽያ ክንዮ ምንባር ዝረሓቐት
ጸሓዮም ኣድኒና ጸሓያ ዘብረቐት
ንሳ እያ እዛ ናይ ጀጋኑ መሬት፡

ሎሚ ‘ዉን ዓወትና ብቃልስና!
መኸተ ክሳብ ምሉእ ራህዋ !

መድሃኔ ተስፋለም
ጀርመን

Leave a comment