ፈላሊኻ ግዛእ ከምዝበሃል’ዩ ጉዳዩ

በርሀ በራኺ

ቡራት ኣንበብቲ ግዱሳት ኤርትራውያን-ሆላንዳውያን ዝኾንና፥ ነዛ ትስዕብ ጽሕፍቲ እሞ ኣንብቡ ድሕሪኡ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ብጸሊም ተጻሒፉ ዘሎ ድማ ኣንብቡ።

ዝኸበርካ/ኪ ኣሰናዳኢ/ት ዜና -ንኣፍልጦኹም።

መንእሰይ-ህግደፍ (ወይ Y-PFDJ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ህግደፍ ማሕበር ኣብ ወጻኢ፡ ንሓንቲ ሆላንዳዊት ተቓላሲት ደላዪት ፍትሒ፡ ብሕጊ ከሲሱ ኣብ ቤት ፍርዲ የቕርባ ኣሎ። እቲ ከሳሲ ኣቶመሰረት ባህልቢዝተባሃለ ክኸውን እንከሎ እታ ተኸሲሳ ዘላ ድማ ፕሮፈሰር ሚርያም ፋን ራይዘን እያ። ንሳ መሓዛ ተቓለስቲ ኤርትራን ንፍትሒ ኤርትራ ጠጠው ዝበለትን ሰብ ምዃና ብዙሓት ዝምስክሩዎ ጉዳይ እዩ።

እቲ ቖጸራ ቤት ፍርዲ ዝመጽእ ዘሎ ሮቡዕ- ዕለት 27/1/2016 – ኣብ ኣምስተርዳም እዩ። ኣቶ መሰረት ባህልቢ – ሓላፊ-ነበር ናይ መንእሰይ-ህግደፍ ኣብ ሆላንድ – ኮይኑ ንሚርያም ዝኸሳ ዘሎ፡ ሽመይ ኣጸሊምኪ ብምባል እዩ። ነዚ ንምግባር ኣሎ ዝበሃል ጠበቓ ቆጺሩ ኣሎ – ካብ ሚርያም ናይ ገንዘብን ካልእን ካሕሳ ሓቲቱ ኣሎ። ከምኡ ኢሉ ክኸስስ ዕድል ዝረኸበሉ ምኽንያት፡ ሚርያም ኣብ ሓደ ናይ ራድዮ ፕሮፕግራም – “መንእሰይ ህግደፍ ዝበሃል ማሕበር ሓበረታ ንመንግስቲ ኤርትራ ከመሓላልፍ ዝቖመ ናይ ስለያ መርበብ እዩ፡ ስርሑ ድማ ሓበረታ ምቅብባል እዩ” ኢላ ስለዝተዛረበት እዩ። ኣቶ መሰረት ባህልቢ ብምቕጻል ዝብል ዘሎ “ኣነ ዝመርሖ ማሕበር ሰለላ ዘካይድ ማሕበር ኣይኮነን፡ ናይ መንእሰያት ባህላዊ ማሕበር እዩ” ዝብል እዩ።

ነዚ ከምዚ መጥቃዕቲ ናይ ስርዓት ኢሳያስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብትሪ ክንምክቶ ይግባእ። ብዙሓት ተቐማጦ ሆላንድ ኣብዚ ዋዕላ ቤት ፍርዲ ብኣካል ብምርካብ ደገፎም ክገልጹላ እዮም። ገሊኦም’ውን ምስክርነቶም ጭብጢ ብምሃብ ይተሓባበሩ ኣለዉ። “ሚርያም ንበይንኺ ኣይኮንኪን፡ ኣብ ጎድንኺ ኣሎና”.

ፕሮፈሰር ሚርያም ፋን ረይዘን እትበሃል ሆላንዳዊት መሓዛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነት፥ ፈላጢትን ምክርትን ናይ ኤርትራ ድማ ትበሃል በቲ ካልእ ወገን እሞ ከኣ ከምቲ ቀጻሊ ንኢትዮጵያ ትኸይድን ምስ መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትራኸብን፥ንኤርትራ በጺሓ ኣይትፈልጥን ንህዝቢ ኤርትራ ውን ርእያቶ ኣይፈልጥን፥ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ውን ተራኺባ ኣይትፈልጥን።

እዛ ሰብ’ዚኣ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምጥባቕ ብዝብል ጉላባብ ተጠቒማ፥ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘርብሕ ናይ ፖለቲካ ዕላማኣ ተካይድ ዘላ ፕሮፈሰር’ያ። ንገለ ኤርትራውያን ንሕና እንፈልጦም ከም መሳርሕታ ገይራቶም ኣላ። ካልኦት ድማ ኣስማቶምን ስእሎምን ክትገልጾም ኣይደለየትን ግን ካብ ኩሎም ብዛዕባ ኤርትራን መንግስቲ ኤርትራን ሓበሬታ እንዳ ኣከበት ንህዩማንራይት ሓቤሬታ ክትህብ ጸኒሓ። ሎሚ ድማ መሰረት ባህልቢ ዜግነት ኤትራዊ-ሆላንዳዊ ዘለዎ ኮይኑ፥ ከምቲ መንግስቲ ሆላንድ ዘፍቅዶ፥ ኣብ ሆላንድ እንዳ ተቐመጥካ ናይ ትውልዲ ሃገርካ ባህሊ ዓቂብካ ምንባር ዝብል ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ነቲ ህዝቢን መንግስትን ውን ከም ዓቕምኻ ዘፍቅዶ ንህዝቢን ሃገርን ምሕጋዝ ውን ይፍቀድ። ካብዚ ተላዒሉ ድማ መሰረት ባህልቢ ነቲ ኣንጻር ኩሉ ተጻብኦ ቀንዲ ኣብ ልምዓትን ምዕባለን ህዝቢን ሃገርን ዝግበር ዘሎ ቃልሲ መሰረት ድማ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ዓቕሙ ብዘፍቅዶ ኣብ ሆላንድ ኮይኑ ንናይ ትውልዲ ሃገሩ ሰላማዊ ሓገዝ ከበርክት ጸኒሑ። እዛ ፕሮፈሰር ሚርያም ፋን ረይዘን ምስቶም ቀጻሊ እትገሾምን እትራኸቦምን መራሕቲ ኢትዮጵያ እንተዘይ ኮይኑ፥ ዝኾነ ሰብ ነቲ ንልምዓትን ንምዕባለን ንሰላምን ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ንዝሕግዝ ኤርትራዊ ዝቃወም ሰብ የለን።

ሎሚ ድማ ኣቶ ንመሰረት ባሕልቢ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሰላይ ኮይኑ ንኣብ ሆላንድ ዕቑባ ዝሓቱ ኤርትራውያን ንዝብልዎን ንምንቅስቓሶምን እንዳ ተኸታተለ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዝሕብር ገይራ ኣብ ረድዮ ሆላንድ ብምቅላሕ ከተጸልሞ ፈቲና። ኣቶ መሰረት ባህልቢ ድማ ነዛ ሚርያም ፋን ረይዘን ጠበቓ ገይሩ ኣብ ቤት ፍርዲ ንዕለት 27-01-16 ኣብ ኣምስተርዳም ከቕርባ ምዃኑ ምስተፈልጠ፥

እቲ ናይ ሕሱራት ሕሱርን ዕሱብን ኣንክል ቶም ዝኾነ ኣቶ ኣማኒኤል ኢያሱ (ዋና ወብሳይት ኣሰና) ከይሓፈረ ብ ወብሳይቱ ገይሩ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድ ዝቕመጡ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ብምርካብ ነዛ ሰብ ኣብ ጎንኺ ኣሎና ንኽብልዋ ይላቦ’ሎ’ሞ እንታዋይ ኤርትራዊ’ዩ ንሓዉን ወዱን ዝኾነ መሰረት ባህልቢ ኣሕልፉ ክህብ? ኤርትራውያን-ሆላንዳውያን በሉ እዚ ጉዳይ ንዓና ንኤርትራውያን ክንፈላለን፥ ነንሕድሕድና ኣሕሊፍና ክንወሃሃብን እንድዩ’ቲ ውዲት ፈላሊኻ ግዛእ ወይ ኣናቑት ንዝብል ውዲት ግን ዕድል ኣይንሃብ። ኣብ ውሽጥና ሽግር እንተለንና ድማ ሽግርና ባዕልና ንክብረትን ልእላውነትን ሃገር ኣማእኪልና ብዘይ ናይ ደገ ሰባት ኢሂን ሚሂን ክንበሃሃል ኣለና ኤርትራ ድማ ንዘለዓለም ክትነብር’ያ።

ኣቶ መሰረት ንሕና ድማ ኣብ ጎድንኻ’ለና!!

ዓወት ንሓፋሽ!!

Leave a comment