መንግስታት ኤርትራን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ናይ ምትሕግጋዝ ውዕል ከቲሞም

ስ/ ሳልሕ ዓብደልቃድር

መንግስታት ኤርትራን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን፡ ኣብ መዳይ ጥዕና ንዘሎ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ውዕል፡ ብ3 ግንቦት ኣብ ኣስመራ ከቲሞም።

ነቲ ሰነድ፡ ብወገን ኤርትራ – ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ብወገን ቻይና ድማ ኣምባሳደር ናይ’ታ ሃገር ኣብ ኤርትራ ሚስተር ኲዩ ሹጁን’ዮም ክታሞም ኣንቢሮምሉ።

ትሕዝቶ ናይ’ቲ ውዕል፡ ኣብ ቀረብ መድሃኒትን መሳርሒታትን፡ ቻይናውያን ሞያውያን ሕክምና ናብ ኤርትራ መጺኦም ከበርክቱን ተመኲሮ ናይ ምልውዋጥ ንጥፈታት ከካይዱን፡ ከምኡ’ውን ካልእ ናይ ምትሕግጋዝ ባይታ ምጥጣሕ ኤርትራን ቻይናን ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ንምትሕግጋዝ ውዕል ከቲመን ዘጠቓለለ’ዩ።

ብመሰረት ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ቻይናን ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ኣብ ጥዕናዊ መዳይ ሓያሎ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ከምእተኻየዱ፡ ቻይናውያን ሞያውያን ሕክምና ናብ ኤርትራ እናመጹ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከቡ፡ ንኣስታት 300 ዜጋታት ዘካየድዎ ናይ ዓጽረ-ሽንቲ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ድማ ካብ’ቲ ብፍሉይ ዝጥቀስ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ብዘሎ ጽቡቕ ዝምድና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ዘተኰረ ሓያሎ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ከምዝሰላሰል ይፍለጥ።