ማዕከናት ዜና ብዝደጋግመኦ ዜና ሓሶት: ዝቕየር ሕብሪ የለን!
![FakeNews700](http://tigrigna.raimoq.com/wp-content/uploads/2018/08/FakeNews700.jpg)
ማዕከናት ዜና ብዝደጋግመኦ ዜና ሓሶት: ዝቕየር ሕብሪ የለን!
ብዘርኣይ ሰሎሞን ዓባይ ብሪጣንያ
ወለዲ ክምስሉ እንከለዉ:- “ተዛረበለይ ኣይ ከም ኣፍካን: ግበረለይ ኣይ ከም ኢድካን::” ኢሎም:: መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ? እንዲዩ! ኣፍ እንከለና ክንዛረብ: የእዳው እንከለና ክንንቀሳቐስ ካብ ከኣልናስ: ንምንታይ ናብ ተዛረቡልናን ግበሩልናን ንጽበ:: ዝመስለና ካብ ደረት ሕግን ስርዓትን ከይወጻና: ሓሳባትናን መጽናዕትናን ዘይንጽሕፍ ካብ ዝብል መሰረት ኢየ ነዚ ምስላ ኣቕሪበዮ:: ምኽንያቱ:- “ምስ ተወቓዕካ ምንጽርጻር: ዝብኢ ምስ ከደ ሓጹር ምሕጻር:” ፋይዳ ንስለ ዘይብሉ::