ጸብጻብ ሰሚናር ህዝቢ ምስ ዶር ጊደዎን ኣባይ ኣስመሮም ካብ ሪችሞንድ: ሰሜን ኣሜሪካ

ጸብጻብ ሰሚናር ህዝቢ ምስ ዶር ጊደዎን ኣባይ ኣስመሮም ካብ ሪችሞንድ፣ ሰሜን ኣሜሪካ

ሰነበት 10 ሚያዝያ፡ ኣማኢት ዜጋታት ዝተሳተፍዎ፡ “ጽኑዕ መትከልና፡ መልሕቕ ብሩህ መጻኢና” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ፡ ዕዉት ሰሚናር ተኻይዱ።

05_Slogan-BG-2-500

ሰሚናር ብዝኽረ ሰማእታትን ሃገራዊ መዝሙርን ምስ ተኸፍተ፡ ኣቦ መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ ብሩራዊ ኢዮቤል ዞባ ሀሰን (ማእከል ጀርመን)፡ ዶር ተስፋይ ዓብለሎም፡ ምድላዋት ጽምብል ክቡር መዓልቲ ሓርነትና ብልዑል ወኒ ይግስግስ ምህላዉ፡ ብሩራዊ ጽምብልና፡ “ርብዒ ዘበን ኣብ መኸተን ልምዓትን” ብዝብል ቴማ፡ ኪንጽምብል ምዃና፡ ገሊጹ። ኣወሃሃዲት ሽማግለ በዓል ናጽነት፡ ካብ ኩለን ማሕበረኮማትናን ውዳበታትናን ዝነጥፋሉ ከተማታት ብዝተወከሉ ዜጋታት ዝቖመት ምዃና ኣብሪሁ። ክብርቲ ዕለተ ሓርነትና ብዝግባእ ክብሪን መዓርግን ንምጽምባል፡ ኩሉ መዳያዊ ምድላዋት ይጻፈፍ ምህላዉ፡ ካብ ዕሸል ክሳብ ሽማግለ ዘሳትፍ መደባት ተሰሪዑ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ተሳተፍቲ ሰሚናር፡ በዓሎም ብክብሪ ንምጽንባል ድሉውነቶም ብምግላጽ ካብኦም ዝጥለብ ከምዘማልኡ ኣረጋጊጾም።

 

ዝሰዓበ መደብ፡ ርእሰ ቴማ ናይ’ዛ መዓልቲ ኮይኑ፡ ሰሚናር ዶር ጊደዎን ኣባይ ኣስመሮም ኢዩ ነይሩ። ዶር ጊደዎን፡ ኣብ መኽፈቲ ኣስተምህሮኡ፡ ቀዳማይ ተኣምር ናይ 25 ዓመታት ናጽነትና፡ ኣንጻር ኩሉ ናይ ጥፍኣት ውጥናት ጸላእቲ፡ ብኽብረት ደው ምባልና ኢዩ! ስለዚ ዮሃና፡ እንቛዕ ኣብቐዕና፡ ንተሓበን፡ ንጸንብል ኢሉ። ኤርትራና ዝቐደመ ከይኣክል ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘበን፡ ጽንኩር ቃልሲ ንኽብረትን፡ ክቡር ዋጋ ንኽብረት ከፊላ፡ ሳላ ጽንዓትን ሕድገት-ዘይፈቕድ መትከልን፡ ሓይሊ ሚዛን ናብ ረብሓኣ መሊሳ፡ ናብ ደረጃ ንጡፍ ተበግሶ ምስግጋራ፡ መንፈሳዊ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራን ሓራ ፖለቲካዊ መስመሩን ኢዩ ዘርትዕ ኢሉ።

መትከል’ዩ ወሳኒ ዝበለ ዶር ጊደዎን፡ ኩሉ ነገር ሃልዩካ መትከል እንተዘየሎ፡ ክብረትን ዓወትን ክረጋገጽ ኣይክእልን ኢዩ ኢሉ። ሳላ ጽኑዕ መትከልና፡ ሳላ ጽኑዕ መትከል ህዝባዊ ግንባር፣ ህዝቢ ኤርትራ ክብረቱ ዓቂቡ፡ ኩሉ ብድሆታት ገጢሙ፡ ኣጻር ዘየባተኸ ተጻብኦታት ብጽንዓት መኪቱ፡ ኣብ ትስፉው መጻኢ ኣንፊቱ ምህላዉ ኣስሚሩ። ከም ትማሊ ሎሚ፡ መርሓ ጎደናና፡ ጽንዓት ኣብ መትከል ኮይኑ፡ እምነትና ደሪዕና፡ ፍናንና ኣዕሪግና፡ ኣብ መኸተ ልምዓት ክንዓስልን፡ ወሳኒ ዓውደ ጥምጥም ራሕዋ ህዝብና ዘውሕስ ቁጠባ ምህናጽ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ታሪኽና፡ መንነትናን ሰማእትነትናን ንምቑሻሽ ዚካየድ ዘመተታት ጸላእቲ፡ ጭንቀት ዝመንቀሊኡን እንዳክንዕወት ጥርዚ ዚዓርግ ፍሹል ሃቐነ ምዃኑ ብምብራህ፡ ብዝመጸ ኣውሎ ንፋስ ከይተነነና፡ ስኒትና ደሪዕና፡ ኣብ ሓዲድ መኸተ ልምዓት ኪንምርሽን ሕድሪ ሰማእታትና ብግብሪ ኪንምልስ ከምዘሎና ኣስሚሩሉ።

ኣስዒቡ፡ እገዳ ምስ ጽንዓተ-መትከልና ተራጺሙ ተቐጢኑ ምስ ጓህመመ፡ ካልእ እኩይ ውጥን ተፈብሪኹ፣ ከምልሙድ መኪትና ከነህጥሞ ግድል ቀሪቡልና ኣሎ፡ ዝበለ ዶር ጊደዎን፡ ስጊንጢር ናይ’ዚ ሸፈጥ፣ እቶም ሰብኣዊ መሰላት ኣህዛብ ምጭፍላቕ ዕለታዊ ገበናቶም ዝኾኑ ወገናት፡ ኮር ተገልበጥ ነዛ ንሰብኣዊ ክብረት ተቓሊሳ ዘውዲ ክብረት ደፊኣ ዘላ ሃገር ምጥቃን፡ ውድቐቶምን ጥፍሽንኦምን ዘረጋግጽ’ዩ ኢሉ! በቲ ኻልእ፡ ትእምርታዊ፡ መንፈሳውን ሞራላውን ሓይሊ ኤርትራን ህግን ዚገልጽ’ዩ ኢሉ። መኸተ ዕጫና ካብ ከነ፡ ከም ወትሩ መልክዓት እንዳቐያያረ ንዚመጸ ተጻብኦታት ከምዘፍሸልና ሕጂ’ውን ብዉሁድ መኸተ ኣብ ጂኔቫ ንዝቐረበልና ብድሆ ከነፍሽል ቃልስና ኪዓርግ ከምዘለዎ ሓቢሩ። ካብ ታሕሳስ 2015 ክሳብ መፋርቕ ጥሪ 2015 ንወርሒ ዝቐጽለ ንሓሶታት መርማሪት ኮሚሽን ዘቓለዐ ተበግሶና፡ ልዕሊ 46.000 ደብዳቤታት ክበጽሖም ምኽኣሉ ሓይልና ዘረጋግጽን ኪጎስይዎ ዘይኽእሉ ክውነትን’ዩ ኢሉ። ነዚ መድረኻዊ ተጻብኦታት መርማሪት ኮሚሽን ብምልኣት ንምስዓር ከምቲ ልሙድ ኪንዓጥቀሉን፡ ኣብ’ቲ ወሳኒ ዓውደ-ጥምጥም መኸተ ልምዓትን ራህዋን ጽምደትና ከነበርኽ ብምዝኽኻር፡ መግለጺኡ ዛዚሙ። ተሳተፍቲ፡ ካብኦም ዝጥለብ ዘበለ ከምዘማልኡ ዳግም ብምርግጋጽ ሰሚናር ብልዑል ዕግበት ብዓወት ተዛዚሙ!

ዓወት ንሓፋሽ!
ወዳቢት ኮሚተ