መንግስቲ ኢትዮጵያ እምበር መንግስቲ ኤርትራ አይኮነን ነቲ ከባቢ ዝህውኽ : ኣምባሳደር ግርማ አስመሮም

ኣምባሳደር ግርማ አስመሮም ኤርትራ ነቲ ከባቢ ትህውኽ’ላ ንዝብል ኽሲ ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝሃብዎ መልሲ

ብቤት ፍርዲ አይናትካን’ዩ ንዝተባህለ መሬት ሒዙ አይወፅእን ዝበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ዩ ነቲ ከባቢ ዝህውኽ ዘሎ እምበር መንግስቲ ኤርትራ አይኮነን ክብሉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ን’ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቅ ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ግርማ አስመሮም ነዚ ዝበሉ ሎሚ ቕነ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ፓርላማ ሃገሮም ኤርትራ ኣልዒሎም ኣብ ዝተዛረብሉ እዋን ነቲ ዞባ ትህውኽ’ላ ክብሉ ንኤርትራ ምኽሳሶም ምላሽ መንግስቶም ብዝምልከት ካብ ሬድዮ ድምፆ ኣሜሪካ ንዝቀረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ’ዩ።

ነዚ ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዘቅረብዎ ክሲ’ውን ናይ ጁቡቲ ፕረዚደንት እስማዔል ዖማር ገሌ ኣብ እዋን ዑደት ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ጁቡቲ ኣቃሊሖሞ’ለው።

ኣምባሳደር ግርማ አስመሮም ብዛዕባዚን ካልኦት ሕቶታትን ዝሃብዎ መልሲ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።