መስራቲ ጉባኤ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ብዓወት ተኻይዱ፡

ፍራንክፈርት 11 ሚያዝያ 2016

መስራቲ ጉባኤ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ብዓወት ተኻይዱ፡

መስራቲ ጉባኤ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት መርስሕ፡ ብቀዳም 9 ሚያዝያ 2016፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፉርት ተቓኒዑ። ኣብ’ዚ ጉባኤ ካብ 27 ከተማታት ተወኪሎም ዝመጹ ወከልቲ ውዳቤታት፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ፡ ሓለፍቲን ዲፕሎማትን ኣብ ሚስዮን ኤርትራ ኣብ ጀርመን፡ ከምኡ’ውን ዕዱማት ኣጋይሽ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ተሳቲፎም።

NCE-Germany-Logo_02-500

ጉባኤ ብዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ኣደ መንበር ኣሰናዲት ሽማግለ ወ/ት ሰምሃር ተኸስተ፡ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ መስርሕ ምቛም ሃገራዊ ሽማግለ ብደረጃ ጀርመን ኣጠናቒቕና ኣብ’ዚ ምብጻሕና ዮሃና ክትብል ሓጎሳ ገሊጻ። እዚ መስርሕ’ዚ፡ ብሰፊሕ ጎስጓስ ሓለፍቲ ውዳበታትን ህዝብን ተበጊሱ፡ ሓንቲ ንድፊ ውድባዊ ሰነድን ቅርጽን ተቕርብ “ምኽራዊት ኣህዱ” ብምምዛዝ ተጻፊፉ፡ ዳግማይ ናብ ህዝባዊ ዘተን ጎስጓሳትን ተመሊሉ፡ መረዳእታ ተሃኒጹሉ፡ ብደረጃ ከባቢታት ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን፡ ኣብ 27 ከተማታት ከምዝቐውም ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ’ዚ ደረጃ ዝበጽሐ፡ መስርሕ ዕቱብ ጉዕዞ ምዃኑ ኣዘኻኺራ።

 

ፈጻሚ ግዳያት ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ ብወገኑ፡ ሰፊሕ ጎስጓስ ኣብ ኮማትናን ሓያል ጽምዶ ምስ ኮምናን ድሕሪ ምክያድ ኣብ’ዚ ደረጃ ምብቕዑ፡ ንኹሎም ኣበርክቶ ዚገበሩ ድሕሪ ምምጓስ፡ ዕዉት ጉባኤ ኪኸውን እምነቱ ገሊጹ። ካብ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት (ፍራንክፈር) ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ፡ ኣገዳስነት እንኣትዎ ዘሎና መድረኽን ውዳበን ዝያዳ ኣተኩሮን ኣድማዒ ትሕዞን ከምዝሓትት ብምዝኽኻር፡ ጉባኤ ብሓያል ውሳነታት ከምዝወጽእ እምነቱ ገሊጹ።
ካብ’ቲ ርዝነት ዝሃበ ረቛሒ ኣብ ጉባኤ፡ ሱታፌ መራሕትን ወከልትን ሃይማኖታትና ኮይኑ፡ ንሓድነት ፍቕርን ኣመልኪቶም ማዕዳ ኣቕሪብም፡ ምርቓን ቡራኬን ለጊሶም።

ቀጺሉ፡ ንስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያንን ተመኩሮ ሰሜን ኣሜርካን ኣመልኪቱ ኣስተምህሮ ንኸቕርብ ዶር ጊደዎን ኣባይ ኣስመሮም፡ መድረኽ ድሕሪ ምሓዝ፡ ብዕምቆት ስትራተጂካዊ ኣድላይነት፡ ዉሁድ፡ ኣድማዒ፡ ተመላላኢን ጥሙሓውን ውዳበን መደባትን ብዘርኢ ተንቲኑ። ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን፡ ግሎባዊ ባህሪ ዘለዎ ምዃኑ ብምግላጽ፡ 6 ኣዕኑድ ሃገራዊ ቻርተርና ዝፍኖቱ፡ መንነት፡ ንቕሓት፣ ብቕዓትን ብምድላብ ንኮምን ሃገርን ብምልኣት ዘገልግል ሓይሊ ንምህናጽ ዘንቀደ ፍቱን ኣገባብና ምዃኑ ኣብሪሁ።

ተኸቲሉ ዚቐረበ መግለጽን ዘተን ኣብ ንንድፊ ውድባዊ ሰነድን ቅዋምን ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ዘተኮረ ኢዩ። ኣቶ ተኽሉ ለባሲ ኣባል ኣሰናዳኢት ኮሚተ፡ ንመስርሕን ምቛም ሃገራዊ ሽማግለን፡ ቅርጽን ኣወዳድባን ንጥፈታትን ኣመልኪቱ መግለጺ ኣቕሪቡ፡ ብተጋባእቲ ኸኣ ዘተ ተኻይዱሉ።

ድሕሪ’ዚ ዝቐረበ መግለጺታት፡ ጉባኤ ሰለስተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ መሪጹ። ሰክረታርያ፡ መስርሕ ጉባኤ ብምቕጻል፡ ብቐዳምነት፡ ጉባኤ ንዝቐረበ ንድፊ ሰነዳት ከጽድቕ ብምሕታት፡ ብሙሉእ ድምጺ ጸዲቑ። ብተመሳሳሊ፡ ስም ውዳበን ኣርማን ዘርኢ መኣዲ ዘተ ብምኽፋት ድሕሪ ሰፊሕ ክትዕ፡ ዝቐረበ እማመታት ቁቡል ኮይኑ!

ዝሰዓበ ኣጀንዳ ምርጫ ኣካያዲት ኣካል’ዩ ነይሩ። ኣባል ኣሰናዲት ኮሚተ ኣቶ ፍጹም ሳህለ፡ ንኣገባን ቅጥን ምርጫ ኣመልኪቱ መብርሂ ድሕሪ ምቕራብ፡ ጉባኤ ብቐጥታ ኣብ ሕጹያት ኣብ ምርቛሕ ሰጊሩ፡ 15 ሕጹያት ቀሪቦም፡ ብኣገባብ ስቱር ምሃብ ድምጺ፡ 9 ዝኣባላታ ኣካያዲት ኣካልን ሰለስተ ተቖጻጸርትን ተመሪጾም።

ኣብ’ዚ መስራቲ ጉባኤ፡ ህቡባን ስነጥበባውያን ሙዚቐኛታትን ተረኺቦም ወኒ ዝቕስቅስ ዜማታት ግጥምን ቃልሲ ኣቕሪቦም።

ዓወት ንሓፋሽ!

*************************

ውሳነታት መስራቲ ጉባኤ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ጀርመን

መስራቲ ጉባኤ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ጀርመን፡ ሎሚ 09 ሚያዝያ፡ ”ዉሁድ ውዳበ ንልምዓትን መኸተ”፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ፍራንክፉርት ተኻይዱ። ኣብ’ዚ ጉባኤና፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ዮውሃንስ ወልዶ፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣሚሪካ ዶር ጊደዎን ኣባይ ኣስመሮም፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ናይ ክብሪ ዕዱማት ዓበይቲ ዓዲ፡ ወከልቲ ማሕበራትን ተሳቲፍና። ጉባኤ ካብ 27 ሃገራዊ ሽማግለ ዘቖማ ከተማታት ብዝመጹ ወከልቲ ውዳበታት ተጋቢኡ።

ተጋባእቲ፡ ንኣሰናዳኢት ጉባኤን፡ ንምኽራዊት ኣሃዱን፡ ንሚሽን ሃገረ ኤርትራን ልዑል ምስጋና የቕርብ።

መስራቲ ጉባኤ፡

1. መስራቲ ጉባኤ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ጀርመን ኣብ ድሮ ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነትና ምክያዱ ረዚን መብጽዓ ዘሰክም ምዃኑ ተረዲኡ!

2. ጉባኤ ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ጀርመን፡ ከም ሃገር ኣብ ኣገዳሲ መድረኽ-ምስጋር ካብ ምክልኻል ናብ ደረጃ ንጡፍ ተበግሶን መጥቓዕትን ኣብ ንብገሰሉ ዘሎና ህሞት ምክያዱ ፍሉይነት ኣስሚሩሉ።

3. ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት፡ ዚሙገስን ንሕበነሉን ሰረት ሃገርነትን ሃገራዊ ልምዓትን ኣንቢርና ምህልዋና ብምእማን፡ ነቲ ኣንጻር ኩሉ መሰናኽልን ብድሆታት ገጢሙ መኪቱ ንዝረትዐ ህዝቢ፡ መንግስትን ሓይልታት ምክልኻልን ሃገርና መጎሱ የቕርብ፡ ርሑስ ጽምብል ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነት ክብረት!

4. ታሪኻውያን ጸላእትና ኣንጻር ህላወና ከም ሃገርን ህዝብን ዘንቀዱ ምዃኖም፡ ልኡላውነትና ካብ ምሕካኽ ዚትሕት ዕላማ ከመይዝብሎም ብምርዳእ መኸትኡ ክሳብ ሙሉእ ዓወትን ራህዋን ብዝለዓለ ኪቃለስ ምዃኑ ኣረጋጊጹ!

5. ምቛም ሃገራዊ ሽማግለ ጀርመን፡ ንዓመትን ፈረቓን ብዝኸደ ኣሳታፊ ጎስጓሳት ዝሓለፈ፡ ህዝባዊ ንቕሓት ዝዓዘዘሉ፡ ወሳኒ ምስርሕን ፕሮጀክትን ምዃኑ ሞጉሱ የቕርብ።

6. ኣብ ዝቐረበሉ መግለጺታት ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ፕሮጀክት ሃገራዊ ሽማግለ ብዕምቆት ተረዲኡ፡ ብዝለዓለ ወተውፋይነት ኪሰርሓሉ መብጽዓ ኣሓዲሱ!

7. ሱታፌ ኣብ ሰውራ ቀንዲ ረቛሒ ዓወት ምዃኑ ዳግም ብምርግጋጽ፡ ሕጂ’ውን ሰፊሕ ሱታፌ ሓፋሽ ኣብ ኩሉ ኮማውን ሃገራውን ዕማማት ንምውሓስ ብዝለዓለ ክስርሓሉ፡ ንቕሓት ንምዕባይ መደባት ሓበሬታን ትምህርትን ኪብርኽ ወሲኑ!

8. ከም ኣካል ንጡፍ ተበግሶ፡ መኸተ ጥብቅናን ሕግን ኪብርኽ ከምዝግባእ ተሰማሚዑ፡

9. ኣብ መኸተ ሜድያ፡ ዓቅሚ ደሊብና ብዝሓየለ ኪስርሓሉ ወሲኑ!

10. ምህናጽ ስትራተጂካዊ ኪዳናት ኣብ ሰውራና ኣገዳሲ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ብምዝካር፡ ሕጂ’ውን ብፕራግማቲካዊ ትሕዞ፡ ኣብ ረብሓ መኸተናንን ልምዓትናን ዚኸትት ዝምድናታት ንምዕባይ ኪንስርሓሉ ወሲኑ።

11. ጉባኤ ብዲሞክራስያዊ መስርሑ ብምቕጻል፡

1. ብምኽራዊት ኣሃዱ ዝቐረበ ንድፊ ውድባዊ ሰነድን ቅዋምን ኣጽዲቑ!
2. ንኽልተ ዓመት ተገልግል፡ 9 ዝኣባላታ መሪሕነት (ማእከላይ ኮሚተ)፡ መሪጹ!
3. በተመሳሳሊ 3 ዝኣባላታ ተቖጻጻሪት ሽማግለ መሪጹ!
4. እተን ዛጊት ብደረጃ ሃገር (ጨንፈር)፡ ቅርጺ ዘየቖማ ውዳበታትና ብደረጃ ህገር ውዳበ ከቑማ ኣብ ቀዳምነት ክስርሓሉ ወሲኑ!

ኣብ መደምደምታ ጉባኤ!

1. ወያነ ወሪሩ ሒዝዎ ካብ ዘሎ መሬትና ብዘይቅድመ ኩነት ኪለቅቕ፡ ቃልስና ብጽንዓት ከምዝቅጽል የረጋግጽ!
2. ተቓጢኑ ዘሎ ኢፍትሓዊ እገዳ ባይቶ-ጸጥታ ብምልኣት ንምፍሻል መኸትኡ ብዝሓየለ ክቅጽል ወሲኑ፡
3. መቐጸልታ ተጻባኢ ውጥን ዝኾነ፡ ውዲት ሰብኣዊ-መሰል (COI ን Special rapporteur)፡ ፍጹም ንምስዓር ብዝሓየለ ከምዘሰርሕ ዳግማይ ኣረጋጊጹ፡

ኣባል ምኽራዊት ኣሃዱ፡ ነፍሰሔር ዶር ኣማኑኤል ትኩእ፡ ኣብ ኩሉ ምድላዋት ሰነድ ሃገራዊ ሽማግለን ጎስጓስስ ህዝብን፡ ኩሉ ጥዕናዊ ጸገማቱ ተጻዊሪ ብልዑል ተወፋይነት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ክፍላ 2015 ብሞት ተፈልዩና፡ ስለቲ እቲ ልዑል ኣበርክቶን ተወፋይነቱን መጎስና ነቕርብ። ዕረፍቲ ዘልኣለም ይሃቦ!

ሰማእታትና ብግብሪ ይደበሱ!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ
09 ሚያዝያ 2016 – ፍራንክፉርት