መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕገ-መንግስታዊ መሰል ዜጋታቱ ከኽብር ሚኒስትሪ ወፃኢ ኣሜሪካ ጸዊዑ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕገ-መንግስታዊ መሰል ዜጋታቱ ከኽብር ሚኒስትሪ ወፃኢ ኣሜሪካ ጸዊዑ

ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን’ቲ ቤት ዕዮ፣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዝተፈጥረ ኩነታት ኣልዒሎም ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ከምዝተዘራረብሉ፣ ወሃቢ ቃል ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኪርብይ ገሊፁ።

ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ዕግርግር ናፃ ኣፃራዪ ኣካል ክቀውም ኣለዎ ኢላ’ዶ ትኣምን? ዝብል ሕቶ ቀሪቡሉ ጆን ኪርብይ ‘እቲ ኣነ ክብሎ ዝኽእል፣ በቲ ኣብ ኦሮምያ ዝተፈጥረ ኩነታት ዓሚቅ ሻቅሎት ሓዲሩና’ሎ በለ።

‘ሓደ ሓባራዊ ምርድዳእ ኣሎ። ምስ’ቲ ማሕበረ-ሰብ ብሕልፊ ምስ መንእሰይ ወለዶ ዝሓሸ ምርድዳእ ክህሉ ከምዝግባእ፣ ንመሰረት እቲ ዕግርግር ምንፃር ኣገዳሲ ምኻኑ’ ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ’ታ ብዙሕነት ዘለዋ ሃገር ንናይ ዜጋታት ሕገ-መንግስታዊ መሰላት ምእካብ፣ ምፅሓፍን ብናፃ ሓሳብካ ምግላፅን ንክረጋግፅ ኣሜሪካ ትፅውዕ ኢሉ ወሃቢ-ቃል ቤት ዕዮ ኣሜሪካ ጆን ኪርብይ።