ፈስትቫል ኤርትራ ጀርመን 2016

ፈስትቫል ኤርትራ ጀርመን 2016

ኣወሃሃዲ ሽማግለ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ጀርመን ብዕለት 20.02.16 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣብ ዘቃንዓቶ ኣኼባ ንጥፈታት 2015 ዓ.ም ድሕሪ ምግምጋም ፡ ን2016 ዓ.ም. ብዝሓየለ ክስርሓሉ ዝኽእል ኣገባብ ስራሕን መደባትን ሰሪዓ።

ፈስቲቫል ኤርትራ ጀርመን 2016 ካብ ዕለት 02–03 ሓምለ (02-03/07/2016) ፡ ኣብ ትሕቲ ‘ርብዒ ዘመን ኣብ መኸተን ልምዓትን‘ ዝብል ጭርሖ ከም ዝካየድ ንኹሎም ግዱሳት ዜጋታት ብእዋኑ ትሕብር። ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል፡ ፍሉይ ዝገብሮ ምስ ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ኢዮበልዩ ይካየድ ምህላዉ ድርብ ጽንብል ኢዩ።

ፈስቲቫልና ኤርትራዊ መንነት ዝግለጸሉን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓብዩ ቆልዑን መንእሰያትን ምስ ባህሎምን ህዝቦምን ዝፋለጥሉ ኮይኑ ሃገራዊ ሓድነት ንምድልዳልን እዋናዊ መልእኽትታት ንምትሕልላፍ፡ መኸተና ንምሕያል፡ ነብስና እንግምግመሉ ብሃገር ደርጃ ዓቢ ኣቕልቦ ዝወሃቦ ሃገራዊ ንግደት ብምዃኑ መጠን፡ ማሕበራትን ውዳቤታን ንጥፈታተን ዘንጸባርቓሉን ፈስቲቫል ዘማዕርጋሉን ባይታ ንምፍጣር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ፈስቲቫል ተሳትፎኹም ክረጋገጽ ድማ ድጊማ ተዘኻኽር።

ገለ ካብ መደባት ፈስቲቫል 2016፤
ሰሚናር ንዓበይትን መንእሰያትን፡
• ባህላዊ ንጥፈታት፡
• ዝተፈላለዩ መደባት ብመንእሰያት፡
• ምምራቕ ዕዉታት መንእሰያት ተመሃሮ ኣብ 2015/2016፡ ብሞያ (Ausbildung)፡ ንዩኒቨርሲቲ መእተዊ ነጥቢ ዝረኸቡ ( Abiturabsolventen ) ብዩኒቨርሲቲ ዝተመረቑ (Uniabsolventen)
• መዘናግዒ ህጻናትን ውድድር ተመሃሮ ቋንቋ ኣደ
• ስእላዊ ምርኢትን ድራማን
• ስፖርት
• ኣገልግሎት

ፈስቲቫልና ብዘይ ንጡፍ ተሳትፈኹም ዕዉት ስለዘይከውን:ኣብዚ መደባት’ዚ ብማሕበር ወይ ብውልቀ ምስታፍ ከምዝከኣልን፡ ንዝኾነ እወታዊ ነቐፌታን ሃናጺ ምኽርን ለበዋን ብኸምዚ ዝስዕብ ክትሰዱልና ትኽእሉ:

ተለፎን፡ 0162 283 11 83 ወይ 0178 40 94 517
ብኢመይል፡ festivalgermany@googlemail.com

ፌስትቫል ወትሩ ዕዉት ንኽኸውን ወርቃዊ ግዚኦም፡ ኣእምሮኦም፡ ጉልቦቶም ዘወፈዩ፡ መንእሰያት፡ ማሕበረኮማት፡ ሽማግለታት መኸተ፡ ጉጅለታት ህግደፍ፡ ሃማደኤ፡ ጋንታታት ስፖርት፡ ትምህርቲ ቛንቛ ኣደ፡ ስነጥበባውያንን መድያን ከምኡውን እቶም ወግሐ ጸብሐ ብደርጃ ፈስቲቫል ጀርመን ዝካየድ ንጥፈታት ብተወፋይነት ብሞራልን ብጉልበትን ከየቛረጹ ዝደጋግፉናን ሰሪሖም ዘስርሑን ተዓዊቶም ዘዕውቱ፣ ግዱሳትን ኣብነታውያንን ሃገራውያንን ተቐማጦ ጀርመን፡ ከምኡውን ንኹሉኹም ተሳተፍቲ ፌስትቫል ኤርትራ ጀርመን፡ ብስም ሽማግለ ፈስቲቫል ዓቢ ምስጋና ነቐርብ።

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን መጐስን ንሰማእታትና !
ዓወት ንሓፋሽ
ኣወሃሃዲ ሽማግለ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ጀርመን