ሳክቲዝም፡ መግለጺ ባዶነት ፋይል ወያነ

ሳክቲዝም፣ መግለጺ ባዶነት ፋይል ወያነ ንቫይረስ ዚካ ስዒቡ ዝመጸን ብወያነ ዝተፈነወ ናይ ሓሶት ሓበሬታ (ሳክቲዝም) ከመይ ረኺብኩሞ? ሳክቲዝም ንሓሳባትን ሕልምን ወያነ ብልክዕ ክትርኽ ዝተማህዘ ጽውጽዋይ ምባል ምግናን ኣይኮነን። ምኽንያቱ፣ ብወያነ ተሃንዲሱ፣ ብወያነ ተማሂዙ፣ ብሓደ ሕሱር ጉጅለ ተጻሒፉ፣ ብቚንጣሮታት ግን ብዙሓት መሰል ክዝርጋሕ ዝቐነየ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዃኑ። እዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘይርብርብ ዘመተ ወረ ኮይኑ፣ ጽልኢ ወያነ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዘግህድ ኢዩ።

እዚ መርዛም ክመስል ዝተቓመመ ናይ ሓሶት ዛንታ፣ ብምኩሕሓል ንምድንጋር ዝተወደበ ስራሕ ኮይኑ ክቕጽል ምጽንሑ ተኸታቲልናዮ። ኩልና ከም ንፈልጦ፣ ቀንዲ ዕላማ ወያነ ይዂን እቲ ንሱ ብትእዛዝ ዘስርሖ ናይ ሓሶት ወረ (ጉጅለ ሳክቲዝም) ነቲ ብጥምረቱን ስጥመትን ዝልለን ነቕ ዘይብል ውህደትን ሓድነትን ዝውንን ህዝቢ ኤርትራ ዕድል ተተረኺቡ ክበታትን ኢዩ ዝፍትን። ነዚ ክትግዕታ ዶ ክንድዚ ትርህጻ! ጸብጻብ ሳክት ወያነ ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ በተን ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዒላማ ዝገበራ ማዕከናት ዜና ኣቢሉ ክዝርጋሕ ዝጸንሐ ከም እንደገና ተሓዲሱን ብውዱብ መገዲ ምስ ህልዉ እዋን ተመሳሳሊ ዝቐርብ እዩ። ኩሉ እቲ ዝቐረበ ኣስማትን ቦታ ሓላፍነትን ብምርቋሕ ዝተፈጥረ ዛንታ ድኣ እምበር መሰረት ሓቂ ዘለዎ ኣይኮነን።

እቲ ብሉይ ሽጣራ ኣዝዩ ቅሉዕ ጥበብ ኢዩ ተኸቲሉ። ያኢ መሰረት መንግስትን ግንባርን ብሓፈሻ ህንጻ ሃገራዊ ድሕነት ድማ ብፍላይ ኣብ መገዲ ውሑጅ ዝተሰረተ ከምስልዎ ፈቲኖም። እቲ ዝቐረበ ሓበሬታ ብምሉኡ ናብ መዓስከራት ትግራይ ኣትዮም ናይ ኣሃዱኦም ሓበሬታ ክህቡ ምስ ተሓበሮም ዘምዝግብዎ ዝነበሩን ኣቐዲሞም ከውጽእዎ ዝጸንሑን ኢዩ። ስም ዕለተ ልደትን ቁጽሪ መንነትን ምጽሓፍ መርትዖ ከምስልዎ ምህቃኖም ተልሜደንነት ምዃኑ ዘግህድ። ማንም ሰብ ኣርካይቭ ተወኪሱ ዘረጋግጾ ውጹእ ሓሶት ብምዃኑ ጥራይ ኢዩ። ስለያዊ ጉጅለ ወያነ ግን፣ መንግስቲ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተሰልዀን ምስጢራቱ ከም ዝለሓዀን ከምስልዎ በቲ ሓደ፣ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ ከም ዝሰለመ ኣምሲሎም’ውን ምህቃኖም ወያነ ግዙእ ዘይፈልጦ ፋሽን ምዃኑ ዝምስክር ኢዩ። ልክዕ መስራቲ ዊኪሊኪ Julian Assange ንምምሳል ዶብ ብዘይብሉ ሕልሚ ይጓዓዙ ኣለዉ። በዚ ዝደናገር ሰብ ኣይተረኽበን። ሕልሚ ግን ካልእ ኔሩ።

መጋበርያ ሳክቲዝም፣ ካብ ኦሃዮ ኖርዎይን ዝራባሕ በቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሕሱራት ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ነፍሰ ምትሓት ዝስምዖን ናይ ሕልናን ኣካልን ዑረት ዘጋጠሞም ብቑልውላው መንነት ዝሳቐዩን ሰባት ዝምስራሕ ዘሎ ወረ ኢዩ። ቁሩብ እኳ ከይጸንሑ ፍለጡና ንሕና ኢና ክብሉ ይጽዕሩ ኣለዉ። ምኽዳን መንነት ናይዞም ሰብ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ክብረትን ሚዛንን ዘይብሎም ሰባት ምዃኖም ስለ ዝፈልጡ ኢዮም። እቲ ዘሓጒስ ነገር መዝገብ ወያነ ባዶ ፋይል ምዃኑ ኢዩ ዘግህድ። ብሳክቲዝም ሳክት ስራሕ!