ሕምባበ ለውጢ ኢትዮጵያ፡ ንድፍኢት ‘‘መዝሙር ሰላም ‘‘ ምስ ኤርትራ

ሕምባበ ለውጢ ኢትዮጵያ፡ ንድፍኢት ‘‘ መዝሙር ሰላም ‘‘ ምስ ኤርትራ

መርገጽየይ ንጭርሖ ‘‘ መዝሙር ሰላም ‘‘ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ኣዲስ ኣበባ – ኢትዮጵያ

– ኣንገሶም ኢሳቕ –

ስላም. . . .
መኽንያት መጽሓፍየይ. . . . ‘‘ መዝሙር ሰላም ’’ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ፡ ጭርሕኡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ፡ ዝቃላሕ ዘሎ ኣርእስተ ጕዳይ‘ዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ነብሲ ወከፍ መዓልቲ፡ መጠረስትኡ ዘይእንፍት፣ ንእሽቶ ተስፋ ዓቢ ሓደጋ ዝተፈራረቖ፡ ሕምባበ ለውጢ ኣሎ። ነዚ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ፡ ኣብ ምውዳእን ቅድሚ ምዝርገሐይ፡ ንሓፋሻዊ ሓሳባቱን ግድፈታት ቃላቱን፡ ንገለ ናይ ሓሳብ መሻርኽተይ ክልእከሎም ክብል‘ኳ እንሆ. . . ሎሚ ምሸት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ፡ ሃይለማርያም ደሳላኝ፡ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ሕቶ ከም ዘቕረበ ሰሚዐ። ኢትዮጵያ. . . ከብድኻ ሓቝፍካ ኣብየት ኣብየት ከም ዝብሃሎ፡ ከቢድ ጥንሲ፡ ኣብ ቅልውላው ለይቲ ሓራሳት‘ያ ዘላ። እንተኾነ ኣብ ውሽጢ‘ዚ ናይ ኢትዮጵያ ዓቢ ዘቤታዊ ቅልውላውን ሕምባበ ማዕባላቱን ከመይ ከም ዝተኣናገድ፡ ምግማቱ ዘሸገረኒ፡ ንዓና ንኤርትራውያን ከኣ ጻውዒት ቀሪቡልና ኣሎ። ጻውዒት ‘‘ መዝሙር ሰላም ‘‘ ንኤርትራ ኢትዮጵያን ካብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ።

ስለ‘ዚ ድማ‘የ፡ መርገጽየይ ከነጽር ደልየ።

ምሉእ ትሕዝቶ ‘ዚ ጽሑፍ ኣብ ታሕቲ ተመልከት

File Link >> ሕምባበ ለውጢ ኢትዮጵያ፡ ንድፍኢት . . .

Hmbabe by Angesom Issak