ረዚን ትርጉም ኣለዋ እዛ ባንዴራ !

እዛ ክብርቲ ባንዴራ !
ዋና ኣለዋ : ዝርኢ ዝሰምዕ
ሕግብብ ዝብላ : ኣብክንድኣ ዝነብዕ
ምስክር ህላውነቱ :ብእኣ ዝዀርዕ
ብትንፋሱ ትነብር : ብደሙ ትጥጥዕ
ምንባሩ ዝመነነ : ምስ ዓለማ ንክትስራዕ :
ኣንቱም ህዝቢ ! ረዚን ትርጉም ኣለዋ እዛ ባንዴራ
ክብርናን መንነትናን : ብሓደ ጠሚራ
ዕላማናን ውዕለትናን : ብግቡእ ኣስሚራ
ኩሉ ምስጢርና : ኣብ ከርሳ ዓቚራ
ኣብ ዘንጊ ሓቂ : ብጀጋኑ ደቃ ተሰቒላ
ኩልና ንስገደላ ! ንዘምረላ !
ኣባይ ከይሰሃላ : ሰስ ንበለላ
ሓደራኹም ! ኣይትልከዩዋ ዘይሕብራ
ስዉእ ጅግና ‘ዩ : ዕትብቱ ኣሲሩላ
ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ !
መድሃኔ ተስፋኣለም