ስንክልና ዘይዓገቶ ኣብነታዊ ስፖርታዊ መንእሰይ

ኣስመራ — ስብሃቱ ከሰተ ይበሃል።ኣብ ቤት ገብርኤል ንኡስ ዞባ ዓዲ ኳላ ተወሊዱ።ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቱ ድሕሪ ምዝዛም ሃገራዊ ግቡኡ ንምፍጻም ኣብ ሓሙሻይ ዙርያ ናብ ሳዋ ወሪዱ። ኣብ ሳልሳይ ወራር ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ክልተ ኣእጋሩ ሰንኪሉ።

ስብሃቱ ድሕሪ ዘጋጠሞ ስንክልና፥ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነጥፈሉ ጉያ እግሪ ከቋርጾካ እንተተገደደ፥ ዳግማይ ናብ ስፖርት ዓለም ተመሊሱ ኣብ ናይ ስንኩላን ውድድር ብሽክለታ ኣብ ምንጣፍ ዝርከብ ሓቦኛን ኣብነታውን መንእሰይ’ዩ።

ንጉዕዞ ስፖርታዊ ሂወቱ ኣመልኪቱ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።