ሕቶ ነቲ ጅግና

ሕቶ ነቲ ጅግና

ብመንግስ ኣብርሃም

ኣብ ዉሽጠይ ዘይተመለሱ ኣእላፍ ሕቶታት እናወሓዙኒ እዮም። ኣየኖት ብቑዓት ኣየኖት ትርጉም ኣልቦ፡ ኣየኖት ከበድቲ ኣየኖት’ዮምከ ፎኮስቲ፡ ኣየኖት ዚምለሱን ዘይምለሱን ግን ፈላልየ ክመምዮም ኣይከኣልኩን። ብገምሪ ኢየ ዚጽሕፍ ዘለኹ። እስከ መልሰለይ። ኣብታ ናይ መወዳእታ ጉዕዞኽ መዓልቲ፡ ጉዕዞ ናብቲ ኣድማስ ሰማእቲ፡ ኣብቲ ንጀጋኑ ጥራይ ዝተሓዝአ ብሕቱው ህዋ ክትሳገር እንከለካ ዉሽጥኻ’ስ እንታይ’ኮን ትብል ነይራ? ፍርሕን ሓበንን ተፈራሪቖሙኻ’ዶ? መልሲ ንትርጉም ምንባርካን ቑንቑኛ ስምዒታት ምሉእነት’ከ ተኸሲቶሙልካ’ዶ? ንጫፋት ብራኸ ናይ ተኽእሎታትካ ዓጊብካሎም’ዶ ትኸውን? ባህግታትካን ተስፋታትካን ኣብ ስእለ ኣእምሮኻ ከመይ ተታትዮም ነይርካ? ድምቀት ሕብሮም ከመይ’ከ ነይሩ፡ ብርሃኖም፡ ጩራኦም፡ ንልብኻ ክሳብ ክንደይ ብምልኣት ይዶግሓ ነይሩ?

እስከ ሓቁ ንገረኒ። ንስለ ከማኻ ፉጡር፡ እሞ ከኣ ኣታ ሓንሳብ ዘይትድገምን ሩሕ ትንፋስካ ከመይ ገይርካ መኒንካ ትህብ? ንሓርነት ብኸመይ ዲኻ ትዕቅኖ? ወይስ ንስለ ናጽነት፡ መስተርሆት፡ ቅሳነት ኩሉ ሓላል’ዩ ንዓኻ? ልባዊ ፍቕሪ ከምኡ ይገብር’ዩ ይሰምዕ’የ። ክሳብ ክንደይ ዲኻ ፈቃር? ከምዚኣ ኢለ ምሕታተይ ምስ ሓጥያት ከም ዝቑጸረለይ ይፈልጥ ኢየ። እንተኾነ ግዳ ምስዚ ምስጢራትካ ክፈልጥ ዘለኒ ክቱር ዉጥምና ነዚ ሓጥያት ደፊረ ኣትየተዮ ኣለኹ። እምበር ፍቐኻ’ስ ከም ወሓዚ ዛራ ማይ ወትሩ ፈልፋሊ፡ ከም ዘይንደል ከውሒ ጽኑዕ መዕቀሊ ምዃኑ ይፈልጥ ኢየ።

ዝኾነ ሰብ ሞቱ ወዝቢ እንተኾነሉ ውን ኣይጸልእን ኢዩ። ምኽንያቱ ክሳብ እታ ትንፋሱ እትሓልፍ ዘሎ ስቅያትን ምፍላይ ካብዛ ዓለም ዘንቀዶ ምፍርራቕን ክምኰሮ ስለ ዘይደሊ። ንስኻ ግን ከመይ ጌርካ ነዞም ዘይተርፉ ክስተታት ካብ ነዊሕ ኣብ ኣእምሮኻ ኣአንጊድካ ንዘይምለኹ ስምዒታቶም ዶቒስካ ትነብር ነይርካ? ወይስ ንሕጊ ተፈጥሮ ክትስዕሮ ኢኻ ሓሊንካ? ነቲ ነዊሕን ሃልኪ ዝመልኦን ዛንታ ጽሕፍሮኻ እንታይ’ኮን ኢልካ ምሰመኻዮ? ንዓይ ኣይትሕተተኒ። መብዛሕትኦም ዝጽሕፉ ዝዓበየ ጌጋኦም ኣርእስቲ ኣብ ምምራጽ ኢዩ። ሰሪ’ዚ ድማ ነዛ ምስ መንፈስካ ብኣስተንትኖ ክዕልል ብምባል ብዝሕንጥጣ ዘለኩ ጽሕፍቲ ዛጊት ኣርእስቲ ኣይሃብኩላን ዘለኹ። ሕቶይ ክቕጽል። ንሓንሳእ ተንሲእካ ሓንቲ ሕቶ ጥራይ ክትሓትት እንተ ትፍቀደካ ነይራ እንታይ ኢልካ ምሓተትካኒ?

ስጋዊ ኣብ ዝነበርካሉ ግዜ ዝያዳ ነየናይ ህሞት ትናፍቕ? ሰሓቕ ጭርቃ ምስ ብጾትካ፡ ነቲ ዘየሰነፈካ ጸሓይ ህሮሩማ፡ ኣስሓይታ ቁርን፡ ትጽቢት ነታ ናይ ተበገስ ባዶ ሰዓት። ነየናይ ኢኻ ትናፍቕ? እታ ናይ መጀመርያ ተመክሮኻ ኣብ ቅልስ ከመይ ምገለጽካያ? ኣብ ዕምሪ ቃልስኻ ዘመንጨካዮ ጸዓት ሓቦ፡ ቆራጽነት፡ ዘይተጸዓድነት፡ ተወፋይነት፡ ትሕልንቲ ንናጽነት ሓርነትን ክንደይ ኣቢሉ ኮን ይኸውን?

ሕቶይ ኣይወዳእኩን ነይረ። ቁንጣሮ’ዩዚ። የግዳስ ዘይትምልስ እንዶ’ሞ ኮይንካ። ኣፍ ኣውጺእካ እንተትምልስ ክንደይ ምፈኾሰኒ። ናይ ዉሽጠይ ውን መውካዕኩኻ። ንሕሹኽታኻ ኣብ ሰልሚ ዉሽጠይ ክሰምዖ ይፍትን፡ ግን ዝኾነ ደሃይ ኣይሰምዕን። ሰማዓይ አንበር መላሳይ ኣይኮንካን። ደሓር ግን ንነብሰይ ባዕለይ ኣጸናኒዐያ። ኣብቲ ብኣካል ዘይነበርኩሉ ህሞት ህይወትካ ብግዜ ተጓዒዘ ክነብሮ ይፍትን እሞ ንሕቶታተይ ባዕለይ መልሲ የናድየሎም። ብፍላይ እታ ናይ መወዳእታ ህሞት’ሞ ኣመና ኢያ ተርዕድ። ከመይ ኢልካ ሓሊፍካያ ወደይ? ሕቶይ ወዲኤ እንዳበልኩ ምሕታት ኣየቋረጽኩን። ሕጂ ግን እዛ ጽሕፍት ብዘይ ኣርእስቲ መታን ከይትተርፍ “ሕቶ ነቲ ጅግና” ዝብል ዓንዲ ኣርእስቲ ሂበያ ኣለኹ። ብመንፈስ ወትሩ ምሳይ ኢኻ። ክብርካ ነባሪ፡ ሽምካ ውን ተዘካሪ ኢዩ። ቅሰን።