ናይ ሓዘን ተኻፋልነት መግለጺታት – ነፍሰሄር መብራት ሃብቱ

Mebrat-Habtu-28June2016_qal-hazen333


FEG2016-NUEW-for-Mebrat-H300

Already one week…
Since u go and changed the world.. I still cannot believe and don’t want either… Losing u means losing the hope of a wonderful world…maybe many cannot understand this but it’s hard when u loose on of your favorite role model… Who showed u and taught u how to fight for your goals..to never give up even if your enemies try to push u down…it’s hard to loose a person who was a mother, a friend a teacher a sister a chairwoman for everybody..
There is no words can describe how bad I am feeling to know u won’t be with us anymore.. Edena Habtu FB


ናይ ሓዘን ተኻፋልነት : ኤርትራውያን ውዳቤታት ኣብ ኢጣልያ

ማሕበረኮም – ሃማደኤ – ህግደፍ – መ/ህግደፍ (YPFDJ)

ብሃንደበታዊ መስዋእቲ ብጸይትና ኣደ/መንበር ሃማደኤ ኤውሮጳን ኣባል ማ/ባይቶ ሃማደኤን ወ/ሮ መብራት ሃብቱ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እንዳገለጽና ንስድራቤታን ንኹሎም መቓልስታ ብጾትን ብፍላይ ከኣ ንኣባላት ሃማደኤ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

ብጸይቲ መብራት ንሃገር ቅድሚ ውልቃዊ ጉዳያታ ሰሪዓ ንብዙሕ ዓመታት ዝተቓለሰትን ዘቃለሰትን ውፍይቲ ኣደ ብምንባራ ንኹላትና ብጾታ ዓቢ ክስራን ኢዩ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና !!

ዓወት ንሓፋሽ !!


ከም ሽማ

ብኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)

መሕደሪ ኣሻሓት ኣንቲ ጽላል ዳዕሮ
ኣቑሪርክና ከላእ ትቑረሮ
ጽንዕቲ ኣብ መትከላ ሓየት ዋዕሮ

ሓላል ዓቃል ማህደር ጹረትመብራት ከም ሽማ
ታሪኽኪ ተዘካሪ እዩ ቅርሲ ወለዶ ናይ ማዕርነት ኣርማ

ዝተለምኪዮ ትልሚ ነግሑ ኣብ ምቕዳዉ
ዝጻመኽሉ ዕላማ ባንኡ ኣብ ምብርሃዉ

ዘቃላሕኪዮ ሓራኒ ድምጽኺ ነጎድጋዱ እንዳኣቃልሐ
ዝጸናዕክላ ሃገር ዝኸርተትክላ ጸላማ እንዳበረሀ

ተዘሚትና
ኣንቲ ግርማ ቀንዴል ሃማደአና
ከም ሽማ ተፈሊኽና መሪር ሓዚንና

ንዕብየት ሃገር ንመኸተ ነኺስኪ ተንክሲ
ድርብ ስጉማ ኣይፋልኪ ኣይተቑርርና ተመለሲ

እቲ ርሱን ወንኺ ገና ብኻዕናኑ
ትማሊ ዶ ኣይወዓልክን ግንባር ጀነቫ
ንቕሎኺ ደኣ እንታይ እዋኑ

ኣንቲ ጥዋፍ መቕደስ መብራህቲ ቤቴልሄም
ካን !ብሉጻት ምምንዛዕ ኮይኑ ንገር ዓለም

ኣንቲ ሓላል ዓቃል መስተውዓሊት
ብጽንዓታን ብልሓን ትልለ ረዛን መብረድ ስሕለት መልማሊት

ትማሊ ዶ ደኣ መቓልሕ ንያትኪ ከብዲ ኣባይ ኣይጀወሐን
ኣጆና ዶ ኣይበልክናን ንመሰልና ንክብርና ክንብል ኣበደን

እካ ዘይተበሰርኪ ብዓወት ውፍሪ ጀነባ
ወላእ ላእ ኣብ ምባላ ዓለም ኢዳ ኣብ ምሃባ

ጻማኺ እንድዩ ነይሩ ዝዝከርተትክሉ
መብራት ከም ሽማ መብራህቲ ቀንዴል ጸዋሪት ንኹሉ

ለካ ቃል ስንብታኺ እዩ ነይሩ
ጽንዑ ትብዑ ኢልክና ክትፍለይና ንሓዋሩ

ጻማ ለፋዕታኺ ምህርቱ ኣብ ምሕፋሱ
ተፋኒኽና መብራህትና ኢልክና ኣብኣ ንኸሱ

በሊ ግምጃና ድባብና ዝፋንና ቀንዴል መብራህቲ
ኣኽናፎም ዘርጊሖም ይቀበሉኺ መላእኽቲ

ገነት ኤዶም ትኹን መቓብርኪ ትለምልም ንሓዋሩ
ክቡር ታሪኽኪ መብረድ ስሕለትዩ
ርጋጽኪ ክደምቕ እዩ ኣሰሩ

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ

ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
04 / 07/2016