መልሲ ን `ንወለዱ ዘይመስል ውላድ`

መልሲ ን `ንወለዱ ዘይመስል ውላድ`

ኣብ መስከረም `ንወለዱ ዘይመስል ውላድ` ብዝብል ኣርእስቲ ብጸጋይ ኣስመሮም ተዳልዩ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ ዘንበብናዮ ብዙሓት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣነ ሓደ ካብቶም ዘንበቡ ስለ ዝኾንኩ ከምቲ ብቕድሚኡ ን`መዝሙር ሰላም` ኣመልኪቶም ዝቐረቡ ጽሑፋት ኣንቢበ ትም ዝበልኩ ሕጅስ ከጽቅጥ ኣይመረጽኩን። እነሆ ድማ ከም ኤርትራውን ናይቶም ንውዲታት ሃጸይነትን ዝርያ ክልቲኡ ደምበታትን ከምኡውን ቀንዲ መጋበርያኦም ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንበይኖም ገጢሞም ውዲታት ዘምከኑን ብቕልጽሞም ናጽነቶም ዝኣወጁን ጀጋኑ  ኣቦታት ውላድ ምዃነይ ስለ ዝሕበን፣ ነዚ ዝበሃል ዘሎ ምስሉይነትን ንገርሀኛታት ከደናግር ተባሂሉ ዝቐረበ ጽሑፍ ኣሕጽር ኣቢለ ክምልሰየ።

ጸጋይ ኣስመሮም ብመሰረት ኣርእስቲ ጽሑፍካ `ንወለዱ ዘይመስል ውላድ` ኣነን ከምናተይ እምነት ዘለዎም ደሚርካ ብኤርትራውነትና ንኾርዕን ጉዳይ ኤርትራ ንኤርትራውያን ይምልከት ኢልና ንኣምንን፣ ካብ ኢድ ምዕራባውያን ብመንገዲ ወያነ ትኳቦ ዘይንጽበን ስለዝኾና ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ታሪኽን ጅግንነትን ዝፈጸሙ ወለድና ኢና ንመስል። ንስኻን መሰልትኻን ድማ ምናልባት ውላድ ናይቶም ምስ ስርዓት ሃይለስላሴ ይኹን መንግስቱ ተጸጊዖም ህዝቢ ኤርትራ ዘድመዩን ዘሳቐዩን፣ ጉዕዞ ናጽነትና ኪዓናቕፉ ዝሰርሑን ኣዝዮም ውሑዳት ከዳዓት ስለዝኾንካ (ብመሰረት ጽሑፍካ)  ንመን ድኣ ክትመስል ንወለድኻ እምበር። እዚ ዝሕመረቱ ጽሑፍካ እምበኣር ወያነ – ወያነ ከምዝሽትት ነዞም ዝስዕቡ ጭብጥታት ንመልከት።

ንውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ዘምርሐ ቀያድን ናይ መወዳእታን ስምምዕ ኣልጀርስ ኢዩ`ምበር ኣብ ውሻጠ ኢትዮጵያ ወይ ኤርትራ ዝተኻየደ ካልእ ስምምዕ ኣይኮነን። እዚ ድማ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝተኻየደ ሕጋዊ ሙግት ዝተዋህበ ብይን ኢዩ። ምትግባር ናይዚ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳኔ ድማ ብስሩ ንመንግስታት ክልቲአን ሃገራት ዝምልከት ኮይኑ ከም ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካን እንግሊዝን . . . ወዘተ. ሓላፍነት ዝወሰድሉን ብዝለዓለ ዝተዋስኡሉን ጉዳይ ኢዩ። ሽግር ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ወያኔ ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኣየተግብርን ብምባሉን ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓገብ ዘይምባሉን ኮይኑ እቲ ስርዓት ነቶም ዝዘርዘርካዮም ዘይቅቡላት ምስምሳት እናኣምጽአን ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኣማለድቲ እናለኣኸን ሸንኮለል ስለዝብል ዘሎ ኢዩ። እዚ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ጉዳይ ኣብ ውሻጠ ኢትዮጵያ ኪፍታሕዩ ኢልካ ምሕላን ከም ኣብ ውሑድ መዓልታት ዝበርዓነ ዕሸል ኪቑጸር ይከኣል።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ሓሚቑ – ጸቢቑ፣ ሓይሉ – ደኺሙ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ነቲ ልኡላውነታ ከይድፈር፣ ልምዓታዊ መደባታ ከይተዓናቐፍ፣ ሓድነት ህዝባ ከይትንከፍ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ለይትን ቀትርን ዝሰርሕ ዘሎ ህዝቢ ይምልከት። ነዚ ዘተግብር ድማ ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ ከምዝበሃል ውላድ ናይቶም ንኤርትራ ከም ዓለማ ክትፍለጥ ዝገበሩ ሰብ ቅያ ጀጋኑ ወለዲ ኢዩ። ሓዘኒ ጸጋይ ኣስመሮም፣ ብደረፍትን ኣጣቓዕትን፣ ምሁራት ኢና በሃልትን (ዝርዝር ኣስማት ተሳተፍቲ መዝሙር ሰላም ኣብ መስከረም ተመልከት) ትግራይ ትግርኚ ክትምስረት`ያ ኢልካ ነብስኻ ምትላል ገዲፍካ ወዮ ድኣ ክትገድፎ ኣይትኽእልን ኢኻ`ምበር (መን ምዃንካ ስለዘነጸርካ) ብዛዕባ ድሕነት ናይቲ ነቀይ ነቀይ ዝብል ዘሎ ስርዓት ወያኔ ብዙሕ ስለዘገድሰካ  እንተሓሰብካ ይሕሸካ። ደጊም ንስኻን መሰልትኻን ንኤርትራ ከም ጡብ ኣዲኹም ቅበጽዋ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሎ ዝበልካዮ ኤርትራዊ ዕላማኡ ብመንገዲ ኢትዮጵያ ናብ ኤውሮፓን ካልኦት ሃገራትን ከሰግር ድኣምበር ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኪዳጎን ወይ ኣብ ኢትዮጵያ ኪነብር ዕላምኡ ኣይኮነን። ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ ከምዝበሃል እቲ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ መንበሪኡ ንምሕዳስ ዶላራት ዝኸፍል  ምህላዉ ከም ሓለፋዶ ኪጽብጸብ ይከኣል። እቲ ንኤርትራውያን ጥራይ ዝወሃብ ዕድል ስደት ብስሞም ተጋሩ ዝጥቀምሉ ምዃኖምከ ተዘንጊዑ ድዩ? ነዚ ኣመልኪትካ “’እቲ ንኤርትራውያን ከም ደቁን ኣሕዋቱን ዝቕበል  ዘሎ ህዝቢ ትግራይ’ውን ኣሎ’ ኢልካ። እዚ መርኣያ ፍቕርን ሓልዮትን ክልቲኡ ህዝብታት (ኤርትራን ኢትዮጵያን) ኣብ ግዜ ሰውራ ይኹን ሕጂ ዝቐጽል ዘሎ ኮይኑ `እቲ ሕብሪ ዓይኖም ደስ እንተዘይኢሉና ዝደለናዮ ስጉምቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና` ብምባል 70,000 ኤርትራዊ ዝመቦቆሎም ኢትዮጵያውያን ክዳውንቶምኳ ኪጥርንፉ ዕድል ከይሃበ ዘባረረ ስርዓት ወያነ ስለምንታይ ኢዩ ሎሚ ንኤርትራውያን ልዕሊ ኦሮሞ፣ ኣምሓራ፣ ሶማልን ካልኦት ብሄራትን ኢትዮጵያ ሓለፋ ኪገብረሎም (ከም ኣበሃህላኻ ድኣ`ምበር እዝስ ኣብ ባይታ`ውን የለን) ዝደሊ ዘሎ? ደቂ እዞም ብሄራት እዚኦምዶ ኣይኮኑን ኣብ ኲናት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን መዝሓል ጥይትን ቀለብ ኣሞራን ዝኾኑ። ካብቲ ስርዓት ዝረኸብዎ ሞሳ እንተልዩ ድማ እዚ ኣብዚ እዋንዚ ንርእዮ ዘለና ምጭፍጫፍን ምዕፋንን ኮይኑ ከምግብረ መልሲ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣብ ዝለዓለ ጫፉ በጺሑ ምህላዉ መጽሄት AFRICA ካብ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ ከም መዛዘሚ ጽሑፈይ ክጠቅስ ኢየ።

መዝሙር ሰላም – ብ ‘ሰለብሪቲ አቨንትስ’ ተዳልዩ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኪፈትሕዩ  ምባልካስ እንታይ ማለትካ ኾን ይኸውን? መርገጺ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ‘ናህና ኣይንህብን፣ ዘይናህና ኣይንደልን በቲ ሓደ ወያነ ዝዝውሮ ኢህወደግ (ከም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት መጠን) ካብ ሓራ መሬትና ንግሆ ዝሰሓበ ንምሸቱ ክንዛተ ድሉዋት ምዃና’ ንዓለምኮ ተገሊጹ ኢዩ። ነዚ ዝተሓስመ ወያነ ድኣ ሕጂ እንታይ ተኣምር ተረኺቡ ኢዩ ብደርፍን ዳንኬራን ዶብ ኤርትራ ኪገድፎ ኢየ ይብል ኣሎ ትብለና ዘለኻ። እቶም ብስም ኤርትራውያን ዘጣቕዑ ዘለዉ ድማ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሽግር ስለዘይብሉ ብዙሕ ኣይትሰከፉ፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካውን ጎነጻውን ቃልሲ ድማ ብጽሞና ተኸታተልዎ። እቶም ከምዚ ኸማይ ደቂ ሰራሕቲ ቅያን ጀጋኑ ሃገራውያንን ዝኾንኩም ናብ ኢትዮጵያ ዝወሰደኩም ዕላማ ተረዲእኩም ቀልጢፍኩም እንተወጻእኩም ዝሓሸ ኢዩ። እንተ ዘይኮይኑ ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ትም ምባል ንመን ይጎድእ። ‘ትም ዝበልና፣ ትም ክንብል ስለዝመረጽና ኢዩ’ ዓቢ መልእኽቲ ዘለዎ ናይ ህግሓኤ ኮነ መንግስቲ ኤርትራ ኣበሃህላ ስለዝኾነ ኣይትተሃመሉ። ኣብቲ ስርዓት ወያኔ ምስ ብሄራት ኢትዮጵያ ዘለዎ ወጥሪ ኢድኩም ኣይተእትዉ።

ሓደ ዘገርም ትንታኔ ብዛዕባተን ኣብ ኢንክዩቤተር ወያነ ተጫጪሐን፣ ብስነ ሓሳብ ወያኔ ተመልሚለንን ተሓብሒበንን ኣብ ወጻኢ ንንቀሳቐስ ኣለና ዝብላ ዓሰርተታት ጉጅለታት’ዶ ክንብለን ምትእኽኻባት ዘለወን ዝተፈላለየ ትሕተ ሃገራዊ ዕላማታት (ብኣውራኡ ንኸምኡ ኢለን ስለዝተፈጥራ) ከም ፖለቲካዊ ሽግር ህዝቢን መንግስትን ኤርትራ ጌርካ ምቕራብካ ብወያኔ ፕሮግራምድ ኮይነን ዝተሰርሓ ሮቦታት ምዃነን ክሕብረካ እፈቱ። ዕላማአን ብዘየገድስ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ግስጋሴ ኤርትራ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይብለን ንስኻን ለኣኽትኻን ኣዳዕዲዕኩም ትፈልጥዎ ጉዳይ ኢዩ።

ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ፣ ለኻኺሙካ ከይከይድ ዘስምዕ ምስላ ኣቦዋት ኢዩ’ሞ በዛ ዓለም ብዛዕባ ወያነ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ትብሎ ዘላ ኣብ መጽሄት ኣፍሪቃ ናይ 27 መስከረም 2017 (ኣብ መስከረም ዝተዘርግሐ) ካብ ዝወጸ ጽሑፍ ኣቕሪበ መልእኽተይይ ክዛዝም።

ኣብዚ ዝተጠቕሰ መጽሄት ብሰሪቲ ስርዓት ወያኔ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኽተሎ ዘሎ ጭቆናን ሽበራን እታ ሃገር ብልዑል ናህሪ ናብ ዕግርግርን ውድቀትን ተምርሕ ኣላ ድሕሪ ምባል እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብብሄራት ኦሮምያ፣ ኣምሓራ፣ ሶማልን ካልኦት ብሄራትን ዝቐረበ ጥርዓናትን ሕቶታትን ግቡእ መልሲ ስለዘይረኸበ ስርዓተ ኣልቦነት ዝነግስ ምህላዉ ገሊጹ። እዞም ክልተ ሲሶ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣህዛብ ምስቲ ስርዓት ዘለዎም ቅርሕንቲ ሰፊሕን ዓሚቕን ኢዩ።

ብቓላት ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ `እዚ ህዝብታት ኢትዮጵያ ምስ ገዛኢ ስርዓት ዘለዎም ነዊሕ ዝጸንሐ ቅርሕንቲ ከምዚ ዘለዎ ከይተፈትሐ እንተቐጺሉ ዕድልና ከምቲ ንሶማል ን26 ዓመታት ዝሕምሳ ዘሎ ስርዓተ ኣልቦነት ኪኸውን ኢዩ፣ ምባሉ ጽሒፉሎ። ህዝባዊ ዓመጽ ምልክት ውድቀት መንግስቲ ኢዩ፣ እዚ ድማ ወለል ኢሉ ኣብ ኢትዮጵያ ይርአ ኣሎ። እቲ ን25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ (ብወያኔ ዝዝወር) ኢህወደግ ናይ ምምሽማሽ ምልክት የርኢ ኣሎ እዚ ድማ በቲ ኣብ መንጎ ሲቪላውን ወተሃደራውን ስለያ ዘሎ ግርጭት ኪግለጽ ይከኣል። ህጹጽ ወተሃደራዊ ኣዋጅ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ምጽንሑ፣ ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ቀጺሉ ድማ ኦሮምያን ሶማልን ዝተራእየ ምፍሕፋሕ መርኣያ ውድቀትን ምንጋስ ስርዓተ ኣልቦነትን ኣብ ኢትዮጵያ ዘመላኽት ኢዩ . . . ወዘተ. ብምባል ነዊሕ ሓተታ ኣስፊሩ ይርከብ።

ነዚ እናረኤኻን እናሰማዕካን ንስርዓት ወያኔ ኣሚንካ ዓዲ ኣማንዩ ኢልካ ምቕሳንን መደባት ወያኔ ንምትግባር ላዕልን ታሕትን ምባልን ንኤርትራውያን ምስ ምንታይ ኪቕጸር ኮን ይኸውን። ነቶም ኣብ ውጽኢት ዘይብሉ ምንቅስቓስ ተታሊልኩም ወይ ግንዖ ክትረኽቡ ኢልኩም ትንቀሳቐሱ ዘለኹም ኤርትራውያን ንወያኔ ዝተሓስበ ውሕጅ ከይልክመኩም መንገድኹም ጽረጉ። እናሰምዐ ዝደቀሰስ ነቕኒቕካዮ ነይትስእ ከምዝበሃል ከይከውን ነገሩ። ዎ ደሓንኩም።

 

ወትሩ – ዓወት ንሓፋሽ!!

By Eritrean Media Group Holland