ኦ መንእሰይ ኤርትራ: ሃገርካ ክትውረር ዓይንኻ ኣይትተዓመት !

ኦ መንእሰይ ኤርትራ: ሃገርካ ክትውረር ዓይንኻ ኣይትተዓመት !

ብተስፋማርያም ሓጎስ

ተዋዛያይ እየ ሕቖ ሰበይተይ ሒዙ ዝዋዘለይ ግን ኣይፈቱን እየ ! በለ ሰብኣይ ይበሃል ። ብሃገር ዋዛ የለን ፣ ሃገር ማለት መንነት ሃገር ማለት ትንፋስ ህላወ ማለት እዩ። እዞም ሓጂ ኣቦታትን ኣቦሓጎታትን ኣዴታትን ዓባያትን ኮይኖም ዘለዉ ጀጋኑና ደሞም ከፊሎም ሃገር ካብ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ናብ ቃልሲ ክኸዱ ከለዉ ኣብ ክሊ ዕድመ 14 ን 20 ን እዮም ኔሮም ። ዕድመ ንእስነቶም ኣብ ቃልሲ ኣብ ከርተት እዩ ሓሊፉ ።ኣብ ጥራሕ ዝባኖም ብንቑጽ ጎሮሮም ብጥሙይ ከብዶም ምስ ተመን እንቅርብዒት እናደቀሱ ተቓሊሶም እዮም ነዛ ሎሚ ንስኻን ኣነን ኤርትራውያን ወነንቲ ናጽነት ሰብ ባንዴራ ሰብ መንነት ኮይንና ኣብ ነጻ ኤርትራ ኮሪዕና ንነብር ዘለና ። እቶም ብዝወፈርዎ ዘይተመልሱ ጀጋኑ ሰማእታትና ድማ ንስኹም ሃልዉ ንሕና በጃኹም ክንሓልፍ፣ እናበሉ ነዛ ነብሶም ንምንባር ነፊጎም ንዓና ክንህሉ ዝገበሩ እዮም ። ጉዳይ ሃገር ካብ ጥንቲ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝባን መንእሰይ እዩ ፣ ሃገር እንተ ተወረረት በቲ ሓያል ቅልጽሙ ንጸላእቱ ደምሲሱ ዘድሕን መንእሰይ እዩ ። ሃገር ኣብ መግዛእቲ እንተወደቐት ደሙን ኣዕጽምቱን ከፊሉ ዘምጽኣ መንእሰይ እዩ ። ኣብ ልዕሊ መሬታ ይኹን ኣብ ከርሳ ዘሎ ባህርያዊ ጸጋታት ተጠቒሙ ዘልምዓን ዝሃንጻን ዘበልጽጋን መንእሰይ እዩ ። እዚ መጽሓፍ ኣንቢብና ንመሃሮ ዘይኮነ ተፈጥሮ ዝዓደለና ብተወርሶ እንወሃቦ ጸጋ እዩ ። ኦ መንእሰይ ኤርትራ ! መንእሰይን ኣብ ውሻጠ ፣ ሽማገለን ኣብ ግምባር ኲናት ክውዕሉ ፣ ርኢኻን ሰሚዕካንዶ ትፈልጥ ? እስኪ ብውልቅኻ ካብታ ገዛኹም ጀምር፣ ንስኻን ናብ ባይቶ ወይ ኣብ ገበላ ኣቦኻን ናብ ምጉሳይ ከብትን ማሕረስን ጻህያይን ዓጺድን ተዋፊርኩም ትፈልጡ ? ካብ ሕጊ ተፈጥሮ ኣይትውጻእ ! እዛ ሃገር ኩለንትንኣ ኣባኻ እያ ! እንተስ ክትህሉ እንተስ ክትጠፍእ ኣብ ኢድካ እያ። ነዚኣ ብሕልናኻ ተቐበላ ፣ ንስኻ ኢኻ በዓል ሓይሊ ንስኻ ኢኻ በዓል ገዚፍ ሙንጉዳ፣ ንስኻ ኢኻ በዓል ሰፊሕ ኣፍልቢ፣ ንስኻ ኢኻ በዓል ተሪር ዳንጋ ፣ ዘይጸዓድ መን ከማይ ብሃሊ መድሕን ሃገርን ህዝብን ንስኻ ኢኻ ። ዕስለ ጸላእቲ ንሃገርካ ወሪሮም ንህዝብኻ ኣጽኒቶም ሃገርካ ክጎብጡ እናተጓየዩ ፣ ንመንግስትኻ ዘይሕብሩ ለኽዮም ከጸልሙን ክውንጅሉን ብኡ ኣቢሎም ንኸጥፍእዎ ሆ እናበሉ ክመጹ ንስኻኸ ኢድካ ኣጣሚርካ እንታይ ገደሰኒ ኢልካ ክትሃድም ወይ ውን ምስኦም ኮይንካ ዲኻ ሓቅኹም ክትብል !

እቶም ታሪኻውያን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ምስቶም ዓሰብቶምን ለኣኽቶምን ንዓኻ ፣ መንግስቲ ኤርትራ ቀታልን ዓማጽን እዩሞ ከነጥፍኦ ተበጊስና ስለ ዘሎና ንስኻ ንዓ ናባና እንተበሉኻ እወ ሓቅኹም በልዎ ደኣ ዲኻ ክትብል ? ነቦኻ ነዴኻ ንሓብትኻ ንሓውኻን እኳ እዮም ብጭካነ ብኻራ ክዝልዝልዎም ! ቅሩብ ሕሰብ ! ዓድኻ ከም ናይ ሎሚ ሊብያን ዒራቕን መዓልታዊ ኣማእት ቆልዓ ሰበይቲ ዝሕረድሉን ዝቕተልሉን ክኸውን ዲኻ እትደሊ ! እዞም ብሸነኽ ደቡብ ዝዳወቡና ተጋሩ ፍጥር ክብሉ ንጥፋኣት ኤርትራ እምበር ንህላወ ኤርትራ ሓሲቦም ዘይፈልጡ ሓሳዳት ጠላማት ታሪኻውያን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ እዮም ። ኣብ ሓንጎሎም ብጀካ ንህዝቢ ኤርትራ ምጽናት ካልእ ሓሳብ የብሎምን ።

ኣብ ገዛና ቍራስና እናበልዑ ዓብዮም 1975 ወታደራዊ ስሮዓት ደርጊ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ኣብ ዝጓየየሉ ዝነበረ እዋን ክዳን ወተሃደራት ኢትዮጵያ ተኸዲኖም ኣብቲ ዝዓበዩሉ ገዛ ወተሃደራት መሪሖም ብምምጻእ ወዶም ወንበዴ እዩ ጓሎም ወንበዴ እያ እናበሉ ክንደይ ቆልዓ ሽማግለ ኣረጋውያን ከም ዝሃልቁ ዝገበሩ እዞም ሓሳዳት ጠዋያት ልቢ ተጋሩ እዮም። ትማል ከኣ ሳላ ህዝባዊ ግንባር ሰልጢኖም ብብረትና ሰልጢኖም ሰውራ ክመርሑ በቒዖም ሳላ ህዝባዊ ሰራዊት ንሰራዊት ደርጊ ካብ ኢትዮጵያ ሓግሒጉ ብምውጻእ ኣብ ስልጣን ኮፍ ኣቢሉ ክሳብ ዝድልድሉ ኣብ ኢትዮጵያ ብምጽናሕ ዝሓብሓቦም ቅሩብ ከይጸንሑ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ኲናት ኣወጁ። እወ ክንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ እዩ ነገሩ። ብርግጽ ንሕና ውን ንመን ነኾልስ ክንፈልጥ ይግባኣና ኔሩ። እዞም ሓሳዳት በቲ ዝወልዕዎ ኲናት ተለብሊቦም ተረፉ እምበር ዘውቀይዎስ ኣይነበረን፣ ግንከ ኣብ ኲናት ተሰሊምካ ምውጻእ ስለ ዘየለ ፣ ጉዕዞ ልምዓትና ጎቲቶም ዘይተደልየ መስዋእትን ዕንወትን ወሪዱ። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንወራራቶም ኣፍሺሉ ጥራይ ዘይኮነስ ንሰራዊቶምን ኣጽዋሮምን ናብ ሓሙኽሽቲ ቀይሩ ደምሲስዎም። ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ንዓለም ኣገረመ።

መለስ ዜናዊ ንስዕረቱ ሕርሕራይ ጌሩ ምስ ጎሶሞ ዝበሎ፣ ደጊም ብድሕሪ ሕጂ ምስ ኤርትራ ብብረት ክንዋጋእ ኢልና ኣይንሓስብን የግዳስ ንመንእሰይ ኤርትራ ማዕጾ ከፊትና ጓሕጒሕና ከነውጽኦ ኢና፣ ሽዑ መንግስቲ ኤርትራ ደሙ ጸንቂቑ ብዘይ ኲናት ክጠፍእ እዩ።
እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን እቲ ኣብቲ ግንባር ኲናት ዝነበረ፣ ክንደይ ጀጋኑ ብጾቱ ብጥይት ወያነ ወዲቖም ሓመድ ኣዳም ዘልበሶም ጀጋኑ እሞ ኣብ ልዕሊ መቓብሮም ደው ኢሉ ኣጆኹም ሰማእታት ብጾተይ ንሕድርኩም ከጽንዓ እየ ኢሉ ቃል ዝኣተወ መንእሰይ ፣ ሃገሩን ብጾቱን ራሕሪሑ ንትግራይ ክሃድም ምስ ምንታይ ይቝጸር ? ኦ መንእሰይ ንስኻ ንትግራይ ኮብሊልካ ወያነ ንኤርትራ እንተሓዝዋ ነዴኻ ወርቂ ኣስተሊኒ ድስልምዋ ድዩ መሲሉካ ? ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣብቲ ወሪሮም ዝኣተዉዎ ቦታት ንኽንደይ ዝቖረባ ኣረገውትን ኣንስቲ ካህናትን መሻይኽን ከም ዝደፈሩን፣ ዓቕመ ኣዳም ዘይበጽሓ መንእሰያት ከም ዘበላሸዉ ኣይሰማዕካን ዲኻ ? ነዚ እሞ ብሕልናኻ ስምዓዮ ብድሕሪኡ ናይ ገዛእ ሕልናኻ ይቕረ ከም ዘይብለልካ ክትፈልጥ ኢኻ ! ደም ናይቶም ሓመድን እምንን ዝጸቐጥካዮም ጀጋኑ ወትሩ ኣብ ሕልናኻ ክኹሕሓካን እዚኣ ድያ ኔራ እታ ማሕላ፣ እናበሉ ለይትን ቀትርን ክወቕሱኻ እዮም። እቲ ዝፈጸምካዮ ጥልመት ከኣ ኣብ ጉዕዞ ህይወትካ ኣይከቕስነካን እዩ ፣ስድሪ ውን ኣይከኺደካን እዩ ! ኩሉ ግዜ ከሳቕየካን ክነብር እዩ! ደሙ ከምዛራ ማይ እናወሓዘ ገሊኦም ድማ ኣካላቶም ብከቢድ ብረት ተበታቲኑ ኣርኻ ዝቐበርካዮም ስለ ዝኾኑ ፣ እሞ ንሕድሮምን ዝኣተኻሎም ቃለ ማሕላን ረጊጽካ ንባዕዲ ሃገር ብምዅብላልካ ቀሲንካ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ።

ስዉእ ምዉት ከይመስለካ ! ንዘለኣለም ህያው እዩ፣ ካብ ዓይኒ ስዉእ ክኽወል/ ክሕባእ እየ ኢልካ ኣይትሕሰብ ። ኣብ ዝኸድካዮ ኣብ ጎድንኻ ኣሎ፣ ስለዚ እንተ ደኣ ብሕልናካ ትርእን ትሓስብን ትሰምዕን ኮይንካ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ስዉኣትካን ብጾትካን መንግስትኻን ህዝብኻን ዝፈጸምካዮ ገበን ብሕናኻ ኣብ መሬት ተደፊእካ ይቕሬታ በሎም! ንምኽሓሶም ከኣ ድሉው ኩን። ዝኾነ ኣብ ህይወትና መዓልታዊ እንገብሮ ጌጋታት ኣብ ቤተ ክርስትያን ወይ ኣብ መስጊድ ብምኻድ ንስሓ ብምግባር ፈጣሪ ይቕረ ክብለልና ይኽእል እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን መንግስትን ሰማእታትን እንፍጽሞ በደልን ክሕደትን ግን ኣብ ቤተ ክርስትያን ወይ መስጊድ ኬድና ብምንሳሕ ይቕረ ክበሃለልና ዝከኣል ኣይኮነን። ብሕልናና ኣሚንና ኣብ መሬት ፍግም ኢልና ይቕሬታ ብምሕታትን ብተግባር ምኽሓስን እዩ ይቕረ ክበሃለልና ዝኽእል።
ኦ መንእሰይ ሕልናኻ ንምኽርን ማዕዳን ሰማእታትካ ደኣምበር ንሓሶትን ናይ ጥፋኣት ሃተውተው ናይ ዝሞቱ ክሰምዓ የብለንን።

ሃገርካ ካብ ጸላኢ ምክልኻል ።ብጉልበትካ ዲጋታት እንተ ሃነጽካ ፣ ጽርግያታት እንተ ሰራሕካ ከትርታት እንተ ሃነጽካ ከም ዓቢ በደልን ግፍዕን ቆጺርካ ሃገርካ ራሕሪሕካ ወጺእካ ። ክንደይ እዮም ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራ ዝጠፍኡ? ክንደይ እዮም ኣብ ሲናይ ከም ገንሸል ኣፋስጋ ዝተሓርዱ“?

ዶብ ሃገርካ ሰጊርካ ናብ ባዕዲ ሃገር ምስ ኣተኻ እቲ ሽግርን ጸበባን ሀ ኢሉ ይጅምር እሞ እናዓበየን እናጸንከረን ናብ ንምዝካሩ ዘስካሕክሕ ኣብ ታሪክ ደቂ ሰባት ተፈጺሙ ዘይፈልጥ ኣሬሜናዊ ግፍዕታትን ህልቂትን ክፍጸም ንዓኻ ምንጋር ኣየድልን እቲምንታይሲ ዝወዓለ ይንገር እኳ ዝበሃል። እቶም ብህይወት ንስክላ ተሪፎም ኤውሮጳ ዝኣተዉ ውን እንተኾነ ከምቲ ኩሉ ዝሓስብዎ ኣይኮነን። ክንደይ ከኣ ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ዝኣተዉ ኣደዳ መስተን ባእስን ከምዝኾኑ ይርአ ኣሎ። ንርሑቕ እንተ ጠሚትና ውን ዘርእና ካብ ሃገርና ኣርሒቕና ንኤውሮጳውያን ንህቦም ኣለና፣ ካብ ዓድና ከይንጭብጭብ ካብ ሱርና ተማሒና ንጠፍእ ኣለና። መን እዩ ስምካ/ኪ ኢሎም ምስ ሓተቱና ቀጺላ እትስዕብ ሕቶ ኣበይ እዩ ሃገርካ እያ፣ መን ኢና ክንብል? ዓዲ ዘይብሎም ኢና ክንበሃል። ካብዚ ዝኸፍእ ሞት ኣሎዶ ይመስለኩም ? የሎን ። ነዚ መን ይምነዮ ? ሃገርካ ክንዘምታ መንነትካ ሓኺኽና መንነት ኣልቦ ክንገብረካ ንዓና ምሳና ኮይንካ ተቓለስ ምስ ዝበሉኻ ጸላእቲ ከመይ ጌርካ ሕራይ ትብል ? እቶም ኣነን ንስኻን ሃገር ክህልወና መንነት ክህልወና ኣብ ሃገርና ኮሪዕና መታን ክንነብር ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ብናፓል ቦምብ ከም ሽሞዓ ዝመኸኹ፣ ብታንኪ ጸላኢ ዝተሓማተሉ ረሲዕካዮም ! እተን ነፍሰ ጾራት ኣዴታት ኣብ ከብደን ዘሎ ዕሸል ካብ ከብዲ ኣዲኡ ምስ ወጸ ወንበዴ ክኸውን እዩ ብምባል ኣደ ብህይወታ እንከላ ሰራዊት ኣምሓራ ብሳንጃ ከብዳ ዘልዚሎም ዘውጽእዎም ረሲዕካዮም ማለት ድዩ ?

ኦ መንእሰይ ኣብ ዘለኻዮ ኣብ ጎድኒ ሃገርካን መንግስትኻን ጅግና ሓይልታት ምክልኻልን ሰማእታትን ደው በል ! ኩሉ ሃምኻን ቀልብኻን ኣብዚኦም እንተደኣ ኣድሂብካን ሓሲብካን ኣብ ዘለኻዮ ሃገር ንዘጓንፈካ ጸገማት ብልበ ተኣማንነት ክትዕወተሉ ከም እትኽእል ኣይትጠራጠር። እቶም ኣንጻር ሃገሮን ህዝቦምን መንግስቶም ኣንጻር እቲ ጅግና ብሓደ ኢዱ ካልሽን ብሓደ ኢዱ ዛባን ኣፍራዛን ሒዙ ሃገር ዝሕሉን ዝሃንጽን ዘሎ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ደው ዝበሉ ዕሱባት ወያነ ግን ርኹሳት ከም ድያብሎስ ውጉዛት ከም ኣርዮስ እዮም እሞ ፎእ በሎም።

ኩልና ንሃገርናን ህዝብናን መንግስትናን ስዉኣትናን ኣለናልኩም ንበል፣ ንዕኦም ንምሕያልን ንምድንፋዕን ንስራሕ ! ሕጂ እያ እታ ሰዓት ! ሎሚ ሃገረይ፣ ህዝበይ፣ መንግስተይ ስዉኣተይ፣ ዘይበለ ዘይመከተ፣ ዘይከተተ ብደዉ ከም ዝሞተ ዝብል ጭርሖ ኣልዒልና ንጕየ ሃገርና ንምድሓን ሎሚ ጽባሕ ዝበሃለሉ ግዜ ኣይኮነን። ሞት ትዕድልቲ ናይ ዝኾነ ፍጡር ኣብዛ ዓለም ዘሎ ትዕድልቲ እያ። ኣብ ዝኸድና ንኺድ ሞት ኣብ ቅድሜና ኣላ ክንሃድመላ ኣይንኽእልን ኢና። ብድሕሬና ዝተርፍ ስምናን ስእልናን ጥራይ እዩ። እቲ ጽቡቕ ስም ሓርበኝነት ጅግንነት መስዋእትነት ንዘንት እለት ዝነብር ስም ገዲፍና ካብዛ ዓለም ክንሓልፍ ኣለና።

ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ!!!
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!!!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!!