ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካይዳ ዝነበራ ሰለስተ ዘይመንግስታዊ ትካላት ስርሒተን ደው ምባለን ገሊጸን

ዋሽንግተን — ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘኻይዳ ዝነበራ ሰለስተ ዘይመንግስታዊ ትካላት ስጉምትታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብዝፈጠረለን ስግኣት ስርሒተን ደው ምባለን ገሊጸን።

አቐዲሙ ሓካይም ብዘይዶብ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወሰደ ኽኸውን ከሎ ሰንበት ነሓሰ 13,2017 ድማ ሴቭ ዘ ችልድረንን ናይ ጀርመን ትካል ዓይኒ ባሕሪ ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ዘካይድዎ ስርሒት ህይወት አድሕን ደው ምባለን ኣፍሊጠን።

መስራቲ ናይ ጀርመን ትካላ ዓይኒ ባሕሪ ሚካኤል ቡስሃኡር “ ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ዓብይ ክፍተት ንገድፍ አለና” ድሕሪ ምባል ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ንዝንቀሳቀሳ ዘይመንግስታዊ ትካላት “ብንጹር ዝዓለመ መፈራርሒ” ሊብያ አውጺኣ እያ ክብል የጠንቕቅ።

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ብተደጋጋሚ ምስ ስርሒት ህይወት አድሕን ዘካየዳ ዘይመንግስታዊ ትካላት ምግጫዎም ይፍለጥ፡ እዚ ግጭት ኣብ ገለ እዋን ካብ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተኹሲ ክሳብ ምትኳስ ዝበጽሕ ምኳኑ ዝፍለጥ እንተኾነ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ግን እቲ ተኹሲ ነቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ዝተገብር ምኳኑ ይገልጽ።

ጠቅላሊ ዳይሬክተር ኣብ በርሊን ዝመደበሩ ትካል ኤስኦኤስ ሜዲተራንያን ቲምሎም ማርዘለክ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል መርገጺ ሊብያ ብዘየገድስ ኣብቲ ቦታ ዘካይድዎስ ስርሒት ከምዝቕጽሉ ሓቢሩ።

ንሱ: “ብመሰረት ዘካየድናዮ ግምገማ ኣብቲ ከባቢ ክንሰርሕ ንኽእል ኢና ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሕና አለና። ስለዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዳሕሳስን ስርሒት ህይወት አድሕን ዘካይድ እንኮ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ኮይና አለና” ድማ ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ መንጎ ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ስርሒት ህይወት አድሕን ዘኻየዳ ዘይመንግስታዊ ትካላትን መንግስቲ ጥልያንን ውጥረት ሰፊኑ ምቅናዩ ይፍለጥ። መንግስቲ ጥልያን እዘን ዘይመንግስታዊ ትካላት ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኢድ አለዎም ክትብል ከላ ንተራ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ምእጋት ስደተኛታት ካብ ሊብያ ከተበራትዕ ጸኒሓ’ያ።

ጥልያን ዋላ’ኳ ካብ ምብራቃዊ ሊብያ ካብ ዝመደበሮም ተቓወምቲ መንግስቲ ሊብያ ተቓውሞ እንተገጠማ ካብዚ ወርሒ’ዚ ጀሚሩ ንሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ቴክኒካዊን ካልእ ሓገዝ ዝህብ ልዑኽ ኣብ ማያት ሊብያ አዋፊራ አላ።

ሚኒስቴር ወጻኢ ጉዳያት ጥልያን ኣንጀሊኖ ኣልፋኖ ሰንበት ንጋዜጣ ስታምፓ እታ ሃገር ዝብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቕ: ሊብያ ንማያታ ምቁጽጻራ ነቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝገትእ እዩ፡እተን ስርሒተን ደው ከብላ ዝወሰና ዘይመንግስታዊትካላት ድማ አካል እቲ አዎንታዊ መስርሕ እየን ኢሎም።

ዘይመንግስታዊ ትካል ሴቭ ዘ ችልድረን ክሳብ ዕላማ ሰበ ስልጣን ሊብያ ዝጻረይ ኣብ ገማግም ማልታ ከምዝጸንሑ ኣፍሊጦም አለው።