ኢትዮጵያዊያን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም

ካብ ዝተፈላለዩ ክፍለ-ግዝኣታት ዩናይትድ ስቴትስ ዝተአኻኸቡ ኢትዮጵያዊያን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም

ካብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ግዝኣታት ዩናይትድ ስቴትስ ዝተኣኻኸቡ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያዊያንን ኢትዮጵያዊያን ኣሜሪካዊያንን ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ዋሽንግቶን — እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ክልል ኦሮሚያን ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ይፍጸም ኣሎ ዝበሉዎም በደላት ዝርዝር ጥርዓኖም ናብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣቕሪቦም ኣለው።

እቶም ሰልፈኛታት ናብ ካፒቶል ሂል ብምኻድ ተመሳሳሊ ተቓውሞን ጥርዓንን ኣቕሪቦም ኣለው።