ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኤርትራውያን ነበርቲ ሱዳን

 

 

ብሰንኪ እዚ ኣብ ዓለምና ብቁልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ COVID-19 ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሚኒ/ ጥዕና ኤርትራን ንነብረሉ ዘለና ሃገርን ብቀጻሊ ከውጸኡዎ ንዝጸነሑ ሓበሬታት ብቐጻልን ብዘይ ምቑራጽ ብመገዲ ኤምባሲና ኣብ ሱዳን ዝዋሃብ ንዝጸነሐ ተወሳኺ ናይ ጥንቓቐ ሓበሬታትን ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣብ ማሕበረ ኮማትና ብምዝርጋሕን ክነብጻሓልኩም ምጽናሕና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ዝስዕብ ተወሰኽቲ ሓበሬታ ንዝርግሕ ስለ ዘለና ንድሕነት ነብስናን ስድራቤታትናን ንኩሉ ክባጽሕ ልሙድ ኣበርክቶኹም ክትገብሩ ብትሕትና ንሓትት።

ቤ/ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ካብ ፈለማ እዋን’ዚ ሓደገኛ ቫይረስ ዝተቐላቐለሉን ዝተላበዓሉን እዋን ንድሕነት ዜጋታት

  • ኣብ ማሕበረ ኮማት ዞባታትን ካርቱምን ብቀጻሊ ሓበሬታት ምዝርጋሕን ኮሚቴታት ምቋምን ዜጋታት ካብ ዘይተደልየ ምንቅስቓስ ክቑጠቡ ጐስጓስ ምክያድ ።
  • ካብ ዕለት 18/03/2020 ክሳብ 31/03/2020 ቆንስላዊ ኣገልግሎት ደው ክብል ወሲኑ።
  • ኣብ ኣብያተ-ጸሎት፡ መርዓ፡ ጥምቀት ኮነ ካልእ እኩብ ሰብ ዝሳተፎ ኣጋጣሚታት ነብሶም ክዕቅቡ ።
  • ድሕነት ነብሶም፡ ሕብረተ-ሰቦምን ሃገሮምን ክሕልዉ ምእንቲ ብሚኒ/ጥዕና ኤርትራን ሱዳንን ዝዝርጋሕ ሓበሬታታት ኣብ እዋኑ ክዝርሕ ጸኒሑን ኣሎን።

ከም መቐጸልታ ናይ’ዚ ድማ ፡ሚኒ/ጥዕና ዘውጽኦ 5 ሓበሬታታት ከምኡ’ዉን መንግስቲ ሱዳን ኣዊጁዎ ንዘሎ ሓድሽ አዋጅ እቶ-እቶ ዝምልከት ሓበሬታ እነሆ፡

● ካብን ናብን ኤርትራ ዝግበር ኩሉ ዓይነት በረራ ነፈርቲ ን2 ሰሙን ምዕጻው፡ ናይ ህዝቢ ሞጓዓዚያ ማለት ኣውቶቡሳት፡ሚኒባሳትን ታክሲን ካብ ስራሕ ደው ክብላ፡ ካብ መውዓሊ ህጻናት(KG) ክሳብ ኮለጃት ካብ ዕለት 27/03/2020 ንግሆ ሰዓት 6፡00 ቅ.ቀ. ደው ምባልን ካልእን ስጉምታት ተወሲዶም ኣሎዉ።

ብወገን መንግስቲ ሱዳን ከኣ፦-

  • ኣብያተ ትምህርቲ ኣቀድመን ከምዝተዓጽዋ ክኾና እንከለዋ፡ ኣኼባታት ሰሚናራት ዋዕላታትን ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያት ከም መርዓን ሓዘንን ካልኦትን ምትእኽኻባት ክውገድ፡
  • ካብ ዕለት 25/03/2020 ኣትሒዙ ተግባራዊ ኮይኑ ዝርከብ፡ ናይ ሰዓታት እቶ እቶ (እዋን ሓዳጋ ድንጋጌ) ካብ ሰዓት 08፡00 ድ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 6፡00 ወጋሕታ ተኣዊጁ ይርከብ።

ተወሳኺ ኣገዳሲ ሓበሬታ

  • ኩሎም ዜጋታት ድሕነቶም፡ ድሕነት ሕብረተሰብን ሃገርን ምሕላው ግብኦም ምዃኑ ብምእማን ካብ ናብ ምንቅስቓስ ክቑጠቡን ሓበሬታን መምርሒታትን ሚኒ/ጥዕናን ናይ ንነብረሉ ሃገር መምረሒታት ከተግብሩን እናተላበና፡
  • ንዝኾነ ህጹጽ ሓበሬታ ንኤምባሲ ኤርትራ ንምውካስ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ 0183521000 ወይ 0117902964 ክትድዉሉ ንላቦ ።
  • ዝኾነ ዜጋ ኣብ ከባቢኡ ንዘጋጥም ጸገማት ንኮሚቴ ማ/ኮም በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ደዊሉ ክረኽቦም ይኽእል፦- 0155225621
  • ኩሉኹም ኤርትራውያን ነበርቲ ሱዳን በብ ዓቕምኹም ኣብ መኸተ ኣንጻር ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ (COVID-19) ንምስታፍን ንምብርካትን ብሃገራዊት ሽማግለ መኸተ ሱዳንን ኤምባሲን ዝወጸ ሓበሬታ ክትካታተሉን ኣብ ጨናፍር ማሕበረ ኮማት ንዝምልከቶም ኣካላት ብምውካስን ዘድሊ ኣበርክቶ ክትገብሩ ንሓትት።

ዝኾነ ኣብ ከባቢኹም ንዘጋጥም ህጹጽ ጉዳያት ከም ምልክታት ሕማም ቫይረስ ኮሮና ፡ንዝሓመሙን ዝምርመሩን ብዝምልከት መንግስቲ ሱዳን እዘን ዝስዕባ ተሌፎናት ዘርጊሑ ምህላዉ ነፍልጥ ።

  • 0123390987 ናይ ኮሮና ቫይረስ ናይ ህጹጽ ረዲኤት ቤት ጽሕፈት
  •  0127621099 ናይ ካርቱም ጨንፈር
  • 012495080 ናይ ኡምዱሩማን ጨንፈር
  • 0127012876 ናይ ባሕሪ ጨንፈር

ፍሉይ ቁጽሪ 9090 ወይ 2121 ወይ 221 በዘን ቁጽሪታት ብምድዋል ኣድላዩ ሓበሬታ፡ሓገዝን መምሪሒታትን ክትረኽቡ ከምትእኽእሉ ንሕብር።

ንእዋናዊ ሓበሬታ ኣብ ኢንተርነት
@SHABAIT.COM
@YPFDJ SUDAN
@ERITREAN COMMUNITY IN KHARTOUM
ተወከሱ።

ዓወት ንሓፋሽ!
ኮሚቴ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ካርቱም
28 መጋቢት 2020

[...]