ዓመተ 2018 ፡ ረዚን ክብሪ ሰማእታትና መሊሳ ዘበረኸት ዓመት

ህዝቢ ኤርትራ መዋእሉ ንኽብሪ ነጻነቱን ልዑላውነት ሃገሩን ፡ ንሰላምን ብልጽግናን ፡ ምስ ኣብ ጎደቦኡ ዘለዋ ሃገራት ከምጽእ እዩ ከይሰልከየ ክቃለስ ጸኒሑን ዝቃለስ ዘሎን።

እንተ ዀነ ድሕሪ 1991 ፡ ነታ ናይ 30 ዓመታት መሪር ተጋድሎ የሕሊፉ ዝጨበጣ ነጻ ልዑላዊት ሃገር ፡ ንዓመታት ተዳሂኻ ስለዝጸነሐት ናብ ንቡር ክመልስ ብዘለዎ ዓቅሚ ኣብ መስርሕ ህንጻ ሒዂ እናበለ ኸሎ ፡ ኣብ ግንቦት 1998 ብደመኛን መንቀኛን ህዝቢ ኤርትራ ዝዀኑ መራሕቲ ወያነ ትግራይ ፡ ብዶብ ኣሳቢቦም ሃንደበታዊ ኲናት ካብ ዝኸፍቱልና ንነጆ ዝትሓልፈ ሓሳረ-መከረ ክትጽብጽቦ እንከሎኻ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝኸፍአ ዛንታ ዀይኑ ፡ ኣብ ተዘክሮኡ ከይሃሰሰ ዝነብር በደል ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኰይኑ ዝነብር እዩ።

ከም’ዚ ዘብለኒ ግን ፡ ንምስቁርቋር ወይ’ውን ነዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ዘይደገፍክዎ ኰይነ ዘይኰነስ ፡ ነዚ ኣብ ጎደቦና ዝቕልቀል ዘሎ ለውጢ ንሰላም ብጽሞናን ብምግራምን ክዕዘቦ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ። ብፍላይ ከኣ እቲ ብ9/11/2018 ኣብ ከባቢ ዛላ’ምበሳ ኣብ ዝተገብረ ናይ ዶብ ምኽፋት ዝነበረ ጽንብል ድየ ክብሎስ ዋላ ስነ-ስርዓት ዝነበረ ተርእዮታት ተመሊሰ ናብ’ቲ ግንቦት 1998 ዘነበረ ሃዋሁው ዝያዳ ትኹረት ክንገብረሉን ንነፍሰይ’ውን ብሕቶ ዘጨነቕኩላ ህሞት እዩ ኔሩ።

“እቲ ብ1998-2000 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብወያነ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ፡ ከም ትምኒት ዓለምን ሕልሚ ወያነን ኩላ ኢትዮጵያን ክዉን እንተዝኸውን ነይሩ ፡ ከም ኤርትራዊ ኣበይ ምሃለኹ ነይረ፧” ንነፍሰይ ሓተትኹ። ቕድሚ ዝዀነ ነገራት ግን ብናይ ሓበንን ኩርዓትን ኣዒንተይ ቅጽርጽር እናበለኒ ኣብ ከቢድ ዝኽርታት ዝተዓዘርኩላ እዋን ደጋጊማ ነዛ ናይ ትማሊ ተርእዮ “ከመይ ኢላ መጺኣ፧ ብኸመይ ተከሲታ፧” እቲ መልሲ ኣዝዩ ነዊሕን ፡ ክትዕ ምስ ገዛእ ነፍሰይን እዩ ኔሩ።

ድሕሪ እዚ ኹሉ ብሓሳባት ምዉንጫፍ ግን ፡ ብዘይ ነግ ፈረግን ብዘይሻሙ መንገዲን ነዛ ዘለናያ እዋን ክዉን ዝገበሩ ፡ እቶም እንኮ ህይወቶም ሂቦም ድሙቕ መብራህቲ ዘብርሁ ብጹኣትን ሓላላትን ሰማእታትን ኤርትራን ፤ እቶም ክቡር ኣካላቶም ከፊሎም ፡ ዘይጽወር ቃንዛን ሕማምን ተጻዊሮም ዝነብሩ ዘለዉ ስንኩላት ኲናትን እዮም።

እንተላይ ብሳላ እቶም ንነዊሕ እዋን ኩሉ ዓይነት ንመነባብሮ ወዲ ሰብ ዘድሊ ተሓሪሞም ፡ “መሪርና ኰነ ጸጊሙና” ከይበሉን ፡ ከይሰልከዩን ፡ ለይቲ ምስ መዓልቲ ፡ ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ደሞምን ርሃጾምን ዘንጠብጠቡ ዘለዉ ፡ ኣብ ምኽልካል ሃገር ተዋፊሮም ዘለዉ ጀጋኑ መንእሰያት ደቂ ሃገር።

ብሳላ እተን ካብ ግዜ ቃልሲ ኣትሒዘን ፡ ንዓመታት ንቡር መነባብሮ ህይወት ስድራቤታት ተደፊንወን እንናሃለወ ፡ ወዲ ሰብ ዘይጻወሮ ኩሉ ዓይነት ሽግራት ተጻዊረን ብጽንዓት ዝሓልፋ ዘለዋ ማእለያ ዘይብለን ሰድራቤታት ሃገርና።

ብሳላ እተን ብሰሪ መግዛእቲን ኲናትን ፡ ብሰንኪ ሽርሕን ዉዲትን እቶም ደይ መደይ ኢሎም ንምብራስና ዝሃቀኑ ደመኛታትና ካብ ዝፈትወኦ ሃገረንን ህዝበንን ተፈልየን ናብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ፡ ከም ደቂ ዛግራ ፡ ፋሕ ኢለን ፡ ግዳይ ስደት ፡ ማህሰይቲ ህይወትን ምኹላፍ ዕድልን ኰይነን ከብቅዓ ፡ ሃገራውነት ፡ ኒሕ ፡ ሓቦ ፡ ተወፋይነትን ኩሉ ክብርታት ህዝበን ዓቂበን ፡ ብጽንዓት ኣብ ጎድኒ ሃገረን ህዝበንን ደው ዝበላ ስድራቤታት ኤርትራ።

ከምኡ’ዉን ብሳላ ኣብዚ ዝሓለፈ ነዊሕ እዋን ፡ ራእይ ሃገሮምን ህዝቦምን ብሓላፍነት ተሰኪሞም ፡ ንኻልኢት’ዉን ሰለም ከይበሉ ነቲ ዝነበረ ዕረፍቲ ዘይህብ ከቢድ ናይ ደገን ዉሽጥን ተጻብኦታትን ጠቀነን ተጻዊሮም ፡ ተቓሊሶም ዘቃለሱና ጽኑዓትን ተባዓትን መራሕቲ ናይ’ዛ ሓላል መሬት።

ብሓፈሻ ህዝበና ከይሰልከየ ብቕንዕና ስለ ሃገርን ሰላምን ሳላ ዘጸለየን እተማህለለን ፡ ነዚ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽ ኽንርኢ በቂዕና ኢና እሞ ፡ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ፡ “እንቋዕ ናብ ዓስቢ ጽንዓትካን ምጽማምካን ኣርኣየካ። ካሕሳ ከርተትካን ስቓይካን ይሃብካ። ብዓቕሊ ስንኻ ነኺስካ መኪትካን ተጋዲልካን ኢኻ’ሞ ነባሪ ሰላምን እፎይታን ይግበረልካ” ክብል እደሊ።

ነዚ ሳላኦም ንኽብል ዘዘከረኒን ዝያዳ ክዀርዓሉ’ውን ዘንቀለኒ ቀንዲ ምኽንያት ፡ ኣብ ዓመተ 2018 ክነፍስ ዝጸንሐ ናይ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ ናይ ሰላምን ሕውነትን መልእኽቲ ፡ ብፍላይ ካኣ እዛ ናይ ዛላ’ምበሳ ኣጋጣሚ ዘበግስቶ ንጣብ ሓሳባት እዩ ነይሩ። ከመይ’ሲ ኣብ’ቲ ዶብ ምኽፋት ዝነብሩ መራሕትን ህዝቢን ትግራይ ዘርእይዎን ዘስምዕዎን ዝነበሩ ቃላትን ነዛ ሕጂ ተበጺሓ ዘላ እዋን ዝያዳ ኣጸቢቕና ክንሓስበላን ክንማሃረላን ዝግባኣና ኰይኑ ይስማዓኒ። ምኽንያቱ ተመሊሰ ነቲ ኣብ 1998-2000 ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ፡ ዝያዳ ብደቂቕ ንኽውከሶ ዝገደደኒ ተርእዩ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ንበይኑ ከም ዘኽታም ህጻን ጠዋሪ ዘይብሉ ኰይኑ ንመራሕቲ ወያነ “ኣይፋልኩሙን ኲናት ሕማቕን ኣዕናዊን እዩ ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ንፍታሓዮ” ኣብ ዝብሃልሉ ዝነበረ እዋን ፡ ወያነ ቅልጽማ የሕቢጣ ፡ ዘይትሓመሉ ህዝብታት ኦሮሞን ደቡብ ኢትዮጵያን ገፊፋ ፡ ኣብ ዝርያ ተኣማሚናን ፡ “ኣይታሓዙኒ” ብምባል ፡ ብሓያላን ሃገራት ንዝተማህዘን ዝተደገፈን እኪት ግብሪ ብመሪሕነት እዛ ኣብ ትግራይ ዝቦቖለት ወያነ እትምራሕ ፡ ሃገር ኢትዮጵያ ፡ “ዓሰብዶ ኤርትራ ክንመልሰልኩም ኢና” ተባሂሉ ፡ ኣብ ጎና ጥሙሕ ምስፍሕፋሕ ዘይበለየሎም ኩሎም ኣኽቲታ ፡ ኣየ’ወ ከምዚ ሕጂ ከይኰነ (ወያነ ሌባ) ኣንጻር መትከላዊ ዝዀነ ህዝቢ ኤርትራ ተኸታትሊን ዕረፍቲ ዘይህብን ንህዝቢ ኤርትራ “ነበረያ ነበረ” ንምግባር ዝሓለነ ኣስታት 135,000 መሳኪን ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ መጽሃዪ ነተጉቲ ኰይኖም ዝረገፍሉ ፡ ኤርትራ ድማ ልዕሊ 19,000 ብሉጻት ደቃ ዝኸፈለትሉ ኲናት ፡ ከም’ዛ ትማሊ ኰይኑ ኣብ ዓይነይ ቅጅል ኢሉኒ ፡ ሓደ ብሓደ ዘከርኩ።

ሕልሚ ወያነ : ትምኒት ዘራያታን : ህርፋን መስፋሕፋሕቲን ክዉን ነይሩ እንተዝኸውን ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ኣበይ ምሃለወ፧ ወይ መላስ ኣውያት ዘይብሉ ምጠፈአ : ወይ ከኣ ሓላው ዑና ዘይብሉ ፈቐድኡ ፋሕ ብትን ኢሉ ፡ ዘካሪን ተሓላቕን ዘይብሉ ምተረፈ ነይሩ፡፡ ስለዚ እየ ኸኣ ንሰማእታተይ ልዕሊ ዝዀነ መድሕነይ ዝብሎም : ሳላ እቶም በጃና ዝሓለፉን ህይወቶም ዝሃቡን ሓላላት ፡ እቶም ትማሊ ንከይንህሉ ዝተመነዩን ኩሉ ዝክኣሎም ዝገበሩን ፡ ርእሶም ኣድኒኖም ፡ ሕጂ “የሕዋት ኢና” እናበሉ ክመጻደቑን ክመሻኸኑን ክንሰምዕ ዝበቓዕና።

እቲ ኣብ ዛላ’ምበሳ ዝነበረ ጉዳይ ምስ ራኣኹስ ንነፍሰይ ብስክፍታ ኣዋጢረያ። “ኣነ ኣብቲ ናይ ትግራይ ቦታ ነይረ እንተዝከውንሲ እንታይ ምገበርኹ፧” እናበልኩ። ን20 ዓመታት መመላእታ ፡ ንኤርትራ ሃገራን ህዝባን ንምጥፋእ ፡ ኩሉ ዝካኣለኒ ገይረ ፡ ፈቐዶ መናገሻታት እናኸድኩ ዓጢረ ፡ ጠቒረ ፡ ኣጣቝሰ ፡ ኤርትራ ተረዂሚሻ ክትቅበርን ተመንየ ፡ ህዝባ “ስዩም” ኢሉ ተንበርኪኹ ክሰግደለይ ተጸብየ ምስላጥ ምስ ኣበየኒ ተመሊሰ ፡ “ኣሕዋተይ” ክብሎም ፡ ሰላም እየ ዝደሊ ኢለ ክማባጻዕ ፡ ዝዀነ ድፍረት ኣይምሃለወንን ፡ ትብዓት’ውን ኣይምረኸብኩን።
እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ በደል ተመሊሶም ዘኪሮሞዶ ይዀኑ፧ ትማሊ ኣብ ዛላ’ምበሳ “ሓውና ህዝቢ ኤርትራ” ክብሉ ኸለዉ ተመሊሶም ን1998 ይዝክርዎዶ ይዀኑ፧ እሞኸ ደኣ ፡ እዞም ሰባት ብኸመይ እዮም ደፊሮም “ኣሕዋት ኢና” ዝብሉ ዘለዉ፧ እቶም ትማሊ ኣብዛ ኣምላኽ ዝሃበና ሃገርና ንኸይንነብር ምስ ሓያላን ዘራያት ኰይኖም ፡ ንኸይንህሉ ዝፈረዱናስ ፡ ከመይ ኢልና ኢና ሕጂ ብሓደ ረፍዲ ኣሕዋቶም ኰይና፧ ብኸመይ፧ እዚ’ውን ኻልእ ሕቶ እዩ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ብመስዋእቲ ደቁ ካብ’ቲ ሓደገኛ ኲናት ሰሪሩ ከይኣክል ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ፡ ኣብ ዓለም ሽሙን መሰለቱን ክድወን ፡ ክብሩን ባህሉን ክንወር ምስ ናይ ዓለም ሓያላን ተሻሪኾም ኣደዳ ሞትን ስደትን ንኽኸውን ፡ ኣብ ዘይፈልጦ ሽግርን መከራን ክሽመም ከይሰልከዩ ክሳብ መሬት ትዓርቦም ዝጻዓሩስ ፡ ሕጂ ዓይኒ ሕፍረት ዘይብሉ “ብቛንቋ ፡ ብሃይማኖት ፡ ብታሪኽ ሓደ ኢና” ክብሉ ኸለዉ ፡ “ናይ ልቦም ድዩ ወይ ኣሳዓዕማን ሰላምታን ይሁዳ” ኢዩ ኢልካ ሰኸኽ ከም ትብል ይገብረካ። እወ ንስለ ሰላም ኢልካ ክትሓድግን “ይቕረየልኩም” ክትብል ይክኣል ይኸውን። ታሪኽ ምርሳዕ ግን ንመጻኢ ንኽድገም ምዕዳም ስለ ዝዀነ ፡ ክርሳዕ የብሉን። ኣበደን። ምናልባት ካልኦት እንተረሳዕና ፡ እቶም በቲ ትማሊ ጽምብል ዝተገብረሉ መገዲ ዛላ’ምበሳ ፡ የማነ-ጸጋሙ ብነተጉቲ ብዝሓጸርሉ መገዲ ፡ ብኸውታ ለይቲ ፡ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰጎጉዎም ግዳያት ወያነ ዝዀኑ ዜጋታሲ ዝርስዕዎ ኣይመስለንን።

እሞ ሕጂ ዝረገጽዋ ባይታ ምስ ጠለመቶም ፡ ነቲ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘውረድዋ ኣበሳታት ረሲዖም ፡ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ናይ ይቕረታን ጣዕሳን ፡ “ኣሕዋት ኢና” ክብሉስ ከመይ ገይሩ የምሕረሎም፧ ከመይ ጌርካ እዩኸ ኣብ ልዕሊ እዚኣቶም እምነት ክህሉ፧ እዚ ሕጂ ክዝምርዎ ዝፍትኑ ዘለዉ ዜማ ሰላም ፡ ንግዚኡ ካብ’ቲ ኣትዮምዎ ዘለዉ ሰልሚ ንኽወጹ ፡ ስጋብ ዝደልዎም ንምሕንካስ እዩ፧ ዋላስ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኻየደ ፡ ንኤርትራ ንምጽናት ዝተገበረ ኣዕናዊ ፈተነ ፡ ንኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ ፡ ንወያነን ህዝቢ ትግራይን ብፍላይ ፡ ምሕዝነታዊ ግጥም ኹዕሶ እግሪ እዩ ነይሩ፧

ኽቡራት ደቂ ሃገር ፡ ነዚ ክብል ዘገደደኒ ፡ ብጽሞና ክትከታተሎ ከሎኻ ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወረደ ግፍዒ ዀነ ዝሓለፈ ሕማቕ ገጽታ ታሪኽ ፡ ክዝክር ዝደሊ ኢትዮጵያዊ ውልቀ ሰብ ይኹን ፡ ኣብ መሪሕነት ሃይለስላሰ፡ ደርጊ ፥ ዋላ ወያነ ዝነበሩ ፡ “ጌጋ እዩ ነይሩ ፡ ጣዕሳ ይግባእ እዩ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይቕረ ይበለልና” ዝብል ዋላ ሓደ የለን፡፡ ብኣንጻሩ ፡ ምንሊኽ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዝገበሮ በደል፥ ሃይለስላሰ/ደርጊ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞን ትግራይን ዝፈጸሞ ግፍዒ፡ ወያነ ኣብ ልዕሊ ኦሮሞን ኣምሓራን ዝወዓልዎ ኣበሳ ክጻባጸቡ ጥራይ ኢኻ ትሰምዕ። ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበርዎ በደል ዝዝክር ኢትዮጵያዊ ግን ብወገነይ ክሳብ ሕጂ ኣይሰማዕኹን። ብዘይ ይቕረታ ፡ ጣዕሳን ኻሕሳን ዝመጽእ ሰላም ምሉእ ክኸውን ዘለዎ ተኽእሎ ክንደየናይ ኢዩ፧ ደቂ ኤረይ፡ እዚ ስክፍታ ዘበገሶ ሕቶን መልስን ምስ ነብሰይ አዩ ኔሩ።

ናዓና ኤርትራውያን ሰላም እንታይ ምዃና ዝዀነ ፍጡር ኣብ’ዚ ዓለም ዝምህረና ዀታ የሎን። ምእንቲ ንምንታይ ፡ ሕሉፍ ህይወትና ሰላም ዝተሓረመና ብምዃና ፡ ልዕሌና ንሰላም ዝደልያ ፡ ዝብህጋን ዝቃለሰላን የለን እንተበልኩ’ውን ዝተጋነን ኣይመስለንን። የግዳስ ናይ በይንኻ ድሌት ሰላም ዘላቕነት ስለ ዘይብሉ ፡ ምስ ጎረባብትካ ብሓባር ሰላም ከተስፍን ክትሰርሕ ናይ ግድን እዩ። “እንተ ቀሲንካ ከትድቅስ ፡ ጎረቤትካ ይደቅስ” እንዲዩ ፡ ካብ ሕሱም ውልቀሰብ ጎረቤት ፡ ገዛ ግዒዝካ ከትርሕቕ ትኽእል ኢኻ ፡ ካብ ሕሱም ጎረቤት ሃገር ግን ፡ ናይ ግድን ንሰላም ክንሰርሕ ኢዩ ዘሎና። ካልእ ምርጫ የለን። “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይቦቍል” እዩ እሞ ፡ ከምኡ’ውን ኣምላኽ ኽገብር ፡ ጎረባብትና ልቢ ክገብሩ ይሓግዞም። እቲ ዝሓለፈ ሕማቕ ናይ ከባቢና ህይወት ንኹላትና ጽቡቕ ናይ መምሃሪ ተመክሮ ክዀነና ኣብ መወዳእትኡ’ውን “ለባም መባእስቲ የጋጥምካ” ዝባህልሲ ፡ ጎረቤትካ ለባም እንተዀይኑ ለባም መባእስቲ ይዀነልካ። እዚ ግን ንሕና በይንና ንገብሮ ዘይኰነስ “ኣምላኽ ይትሓወሶ” እዩ ዘብል። ልዕሊ ዝዀነ እዋን ግን ከም’ቲ ዝዕበየናን ባህልናን ፡ ሓዳጋት ፡ ገዳፋትን ፡ ይቕረ በሃልቲን ንኹን። ረሳዕቲ ንኸይንኽውን ግን ክንጥንቀቕ የግብኣና። ዳሕራይ ኣብ ዘይንወጾ ጣዕሳ ከይንወድቕ።

ኣብ መወዳእቱ ፡ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽ ኣዝዩ ትስፍዉ ፡ መጻኢና ዝበለጸ ከምዝኸውን ዝእምት ኣዩ ዝመስል ዘሎ። ካብ ሕሉፍ ተመክሮና ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ኣሚንካ ክትከይድ የጸግም እንድዩ ፡ ግን ንሕና ኤርትራውያን’ውን ምስ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ለውጢ ዝሳነ ከም ወትሩ ካብ’ቲ ኣዝዩ ጽንኩር በዳሂ ነዊሕ እዋን ዘሳገሩና ኤርትራዊ ክብርታት (ሓድ-ሓዳዊ ፍቕሪ ፡ ሓድነት ፡ እምነት ፡ ቅንዕና ፡ ምትሕልላይ ፡ ምትሕግጋዝ ፡ ምጽውዋር ፡ ጽንዓት ፡ ሓቦ ፡ ብጋህዲ ምዝራብ ፡ ምስራሕ ፡ ጻዕሪ) ካብ’ዚኣቶም ከይታኣለና መጻኢና ሰላም ዝበዘሖ ክኸውን ንምግባር ክንሰርሕ ይግብኣና።

ገሌና “መግለጺ የድለየና ኣሎ” ፡ ዝብል ካብ ስክፍታ ዝተበገሰ ስምዒታት ኣሎ። “ዝኸይድ ዘሎ ምዕባሌታት ኣይተረዳእናን ፡ ናይ ዶብ ጉዳይ ከይተወደኣ እንታይ እዩ እዚ ጉዳይ” ዝብል ብዙሕ ናይ ስክፍታት ስምዒታት’ውን ኣሎ። ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሌና ዘለዋ ናይ ክሕደት ተመክሮ ፡ ናይ ግድን እዩ ክንስከፍ ፡ ባህርያዊ እዩ። እቲ መግለጺ’ውን ኣብ ኣእዋኑ ከመጸና ኸሎ ነቲ ራእይና ዝያዳ እዩ ዘሐይሎ። እንተዀነ ግን “ትኣምኖ ሊእካስ እንታይ ተረፈ ኣይትበል” እንዲዩ እቲ ነገሩ ፡ እቲ ንውጥን ዘይትኣደነ ምትእትታው ሕብረት ሶቬት ኣምኪኑ ፡ ስታራተጂካዊ ምዝላቕ ኣተግቢሩ ፡ ንሻዱሻይን ካልኦት ሾብዓተ ወራራት ክምህ ከይበለ መኪቱ ዘፍሸለን ፡ ንኹሉ ሽርሕታት ሸምገልቲ ኣምኪኑ ፡ ነጻነትን ልዑላውነት ሃገር ዘምጽአ ፡ ሰለስተ ወራራት ወያነ ስዒሩ ፡ ኣብ መጋብእያ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ሞጒቱ ዝስዓረ ፡ ብሽም እገዳን ጸለመ ክሲ ግህሰት ሰብኣዊ መስላት ንኸምጽእ ተሓሊኑ ዝነበረ ከበባ ፈንጢሱ ዝወጸ ፡ ኤርትራዊ ግምባርን ፡ መሪሕነቱን ሕጂ’ውን “ከም ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ” እናበሉ ጸኒዖም ይሰርሑ ኣለዉ ። መንግስትና ድማ ንኹሉ ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘርብሕ ናይ ነባሪ ሰላም ሃዋሁ ክፈጥር ከይታሓለለ ይሰርሕ ኣሎ። ካባና ዝድለ ካብቲ ቀንዲ ራእይና ከይታኣለና ፡ ክሳብ ወግዓዊ መግለጺታት በቲ ዝምልከቶ ኣካል ዝመጽእ ፡ ንሕና ከም ህዝቢ ፡ ኣብ ጽላል ክብርታትና ኣጽሊልና ፡ ናይ መጻኢ መደባትና መጻኢ ወለዶና ሓያል ዝዀነሉ መንገዲታት ምፍጣር እዩ። ከይተሃመልናን ከይተዛነናን ተቐልቂሉ ዘሎ ሰላም ምሉእ ንኽኸውን ከም ቀደምና ብትብዓት ንመክት።

ዓወት ንሓፋሽ
ዳኒኤል ገብረመድህን
መስከረም 2018