መበል 12 ፈስቲቫል ስፖርት ኤርትራ ካይዘርስላውተርን-ጀርመን ብዉዕዉዕ መንፈስ ተኻይዱ

መበል 12 ፈስቲቫል ስፖርት ኤርትራ ካይዘርስላውተርን-ጀርመን ብዉዕዉዕ መንፈስ ተኻይዱ | 08.09.2018

ፈስቲቫል ስፖርት ኤርትራ ካይዘርስላውተርንጀርመን፡ ብዕለት 08 መስከረም 2018 ‘‘ ስፖርት ኤርትራ ይዓምብብ ‘‘ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ህጻናት፡ መንእሰያት፡ ዓበይትን ወለድን ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ኣብ ከተማ ካይዘርስላውተርን (ጀርመን)  ብዉዕዉዕ ስፖርታውን ሃገራውን መንፈስ ተኻይዱ።

ኣብዚ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ ስፖርታዊ ውድድር፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጻ ጋንታታት ተሳቲፈን ነይረን። ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ዝተሳተፍዎን ናይ ምውርራስ መንፈስ ዝነበሮን እዩ ነይሩ።

ኣብዚ ብልዑል ስፖርታዊ መንፈስ ዝተኻየደ ውድድራት፡ ናይ ዓበይትን መንእሰያትን ጋንታታት ተሳቲፈንኦ።
ከምቲ ልሙድ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝመጹ ገዳይም ስፖርታውያን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ውዒሎም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ውድድር ኲዕሶ እግሪ ድማ . . .

ካብ መንእሰያት ፦ ካብ ዓበይቲ ፦
1ይቲ – ጋንታ ሓድነት ፍራንክፈርት 1ይቲ – ጋንታ ሓድነት ፍራንክፈርት
2ይቲ – ኖይሽታት 2ይቲ – ስዊዘርላንድ – ሎዛን
3ይቲ –  ዳርምሽታት 3ይቲ – ስዊዘርላንድ – ፍራይቡርግ

ዕውታት ኮይነን ብምውጻእ ካብ ኣሳናዳኢት ኮሚቴን ገዳይም ስፖርታዉያንን ሽልማት ተዓዲለን።

ከምኡ `ውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብዚ ስፖርታዊ ፈስቲቫል ዕዙዝ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ምስክር ወርቀት ተዓድሎም። ብፍላይ ድማ ንሃማደኤ ከተማ ካይዘርስላውተርንን ጋንታ ሓድነት ኤርትራ ፍራንክፈርትን ብዝገበርዎ ልዑል ኣበርክቶ ካብ ኮሚቴ ስፖርት ፍሉይ ምስጋና ቀሪብሎም።

ቀጺሉ፡ ተሳተፍቲ ኣብቲ ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዳለወ ጽምብል ተረኺቦም፡ ቃል ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፈጺሙ ዝተመልሰ መንእሰይ ቴድሮስ ጎይትኦም ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ ኣበርክቶ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምውሓስ ሃገር  ዓቢ ቦታ ዝሕዝ ዝና ምዃኑን ኣብ መስርሕ ምህናጽ ሃገር ድማ ንሕድሪ ሰማእታት ተኸቲሉ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ አእጃሙ ከበርክት ከምዘለዎን ኣስሚሩሉ። ስፖርታዊ ንጥፈታት ኤርትራ ክዕምብብ ተራኦም ዘበርክቱ ንዘለዉ ድሕሪ ምምስጋን፡ ቀጻልነቱ ውሑስ መታን ክኸዉን፡ ብዝለዓለ ደረጃ ተወዲቡ ንወለዶታት ክቕጽል ከምዘለዎ ተማሕጺኑ።

ቀጺሉ ወጋሕ ትበል ለይቲ ባህላዊ ጸወታ ተኻይዱ፡  ብክብ ዝበለ ድምቀትን ውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስን ድማ ተዛዚሙ።

ፌስቲቫል ስፖርት ኤርትራውያን ካይዘርስላውተርን ጀርመን ን12 ዓመታት ብቀጻሊ ክካየድ ዝጸንሐ ንዓበይትን መንእሰያትን ዘራኽብ ስፖርታዊ ንጥፈታት እዩ ። ዕላማኡ ድማ ንገዳይም ስፖርታውያን ጠርኒፍካ ተሞክሮታትን ታሪኽን ስፖርት ኤርትራ ናብ ሓድሽ ወለዶ ብምስግጋር፡ ኣብዚ ዘለናዮ ክፍለ-ዘመን ተወዳደርቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ስፖርታውያን መልሚልካ፡ ሓያል ኤርትራዊ ስፖርታዊ ኮም ምምስራት እዩ።

ፌስቲቫል ስፖርት ኤርትራውያን ካይዘርስላውተርን ጀርመን፡ ብኮሚቴ ስፖርት ተወዲቡ፡ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ካይዘርስላውተርን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታትን ጋንታ ሓድነት ፍራንክፈርትን እዩ ዝካየድ።

 

ኮሚቴ ፈስቲቫል ስፖርት ካይዘርስላውተርን-ጀርመን
08/09-2018