ምርብራብ ኣብ ኣንፊ ናጽነት

ብጥዑምዝጊ ተስፋይ

ኣብ 30 ዓመት ድልያ ናጽነት፡ ክንደይ ዓበይትን ንኣሽቱን ናይ ምርብራብ ውግኣት ተኻይዶም እዮም። መብዛሕትኡ ናይ ምርብራብ ውግእ፡ ንነዊሕ ግዜ ዝቕጽልን ዕረፍቲ ዘይህብን ብምዃኑ፡ ብኡ መጠን፡ ምረቱ ልዕሊ ዓቐን እዩ።

ህዝባዊ ግንባር፡ መጥቃዕቲ ፈንዩ፡ ብፍላይ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝቆጻጸረሉ እዋን፡ ናይ ምርብራብ ውግእ ክስዕብ ግድን እዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ፍጻመ፡ ኣዘዝቲ ስርዓት ደርግ፡ ሃሞምን ቀልቦምን ናብ’ቲ ብቕልጽም ተጋደልቲ ዝተሓድግዎ መሬት ጥራይ እዩ ዝዕዘር።

ካብ ግንባራት ኤርትራን ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያን፡ ዝከኣሎም ዓቕሚ ሰራዊትን ኣጽዋርን ብምጉራት ናብኡ የቕንዕዎ። ካርታ ዘርጊሖም፡ ኣእምሮኦም ጸሚቘም፡ ናይ ውግእ ስትራተጂ ይሕንጽጹ። ኣብ እዋን ኲናት፡ ከይፈተዉ ምስ ተጋደልቲ ምምቓሎም ዘይተርፍ፡ ፈቐዶ ሃገራት እናዘሩ፡ ሓገዝ ናይ ኣጽዋር ይሓትቱ ወይ ይሽምቱ። ነቲ ድሮ ብናይ ተጋደልቲ ስልቲ መጥቃዕቲ ዝተሰናበደ ሰራዊቶም፡
ናብ ንቡር ክመልስዎ ናይ ሕልሚ ጐስጓስ የብዝሑ። ሰራዊቶም ከበሮ እዝኑ ክሳብ ዝቕደድ፡ ብጭርሖታት የጽምምዎ።

ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ውግእ፡ ኣብ ኣእምሮ ሰራዊቶም ከስርጽዎ ዝፍትኑ ሕልሚ ከኣ፡ ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ ዝገብሮ መጥቃዕቲ ይኹን ናይ ምክልኻል ውግእ ከም ዝተዳኸመ ወይ ዓቕሙ ከም ዝጸንቀቐ ብምግላጽ፡ ናብ ዳግማይ ህልቀት ከም ዝወፍር ምግባር እዩ። >>>> ምሉእ ትሕዝቶ

Mribirab-Ab-Anfi-Naxinet.compressed