ሓበሬታ ንጉዕዞ ጽንብል ናጽነት መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ካብ ጀርመን ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ

ሓበሬታ : ንጉዕዞ ጽንብል ናጽነት መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ካብ ጀርመን ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ

ምስ’ዚ ክቡር ህዝብን  ክብርቲ ዕለት ጽምብል ናጽነት መበል 25  ዓመት ብሩራዊ ኢዮበልዩ ንምስታፍ ካብ መላእ ጀርመን ኣብ ኤርትራ ተኻፈልቲ ንምዃን ዝተፈላለየ መደባት ሓንጺጽና ተበጊስና ከም ዘለና ነበስር ። እዚ ክቡር በዓል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ በዓልን ክብርን መንነትን ስለ ዝኾነ ኩሉ ኤርትራዊ ክሳተፎ ዘለዎኢዩ።በዚ ኣጋጣሚ ንኹሉ ናብ ኤርትራ ዝኸይድ ነባሪ ጀርመን ከም ንጡፍተሳታፊ ንምዃን ብኽብሪ ንዕድም።

ተወጢኑ ዘሎ መደብ፣

  • ምስ ገለ ኣሃዱ ዋርሳይ ይካኣሎ ብሓባር ናይ ምዝንጋዕ መደብ ፣
  • ሓደ ባህላዊ ለይቲ ምድላው፡ ኣታዊኡ ብስም በዓል ናጽነት ንስድራ ስውኣት ዝውዕል። ኣብዚ ምሸት ብውሽጣዊ ዓቕምናን ገለ ስነ ጥበባውያን ንምምዕራጉን ምስፍሑን ወሲኽካ ዝካየድ ይኸውን፣
  • ምትካል ገረብ ስውኣት፣
  • መለለይ ተሳተፍቲ ዝኸውን ማልያ ወይ ቆቢዕ ምድላው።

ኣብዚ መደብ ክሳተፉ ንዝደልዩ ሃገራውያን ኣብ ከበቢኹም ዘለዉ ሓለፍቲ ውዳቤታት ወይ
በዚ ታሕቲ ተሓቢሩ ዘሎ ኢ-መይል ሓበሬታ ክትረኽቡን  ክትምዝገቡን ትኽእሉ።
ነዚ መደብ ንምክያድ ወጻኢታት ስለ ዘለዎ ኩሉ ክምዝገብ ዝደሊ ተሳታፋይ € 100,00 ኦይሮ (ሚእቲ ኦይሮ) በዚ ታሕቲ ተሓቢሩ ዘሎ ቁጽሪ ሕሳብ ከመሓላልፍ ይግባእ።

Alazar Ackeza & Russom Araia               

BW/Bank.  IBAN:DE24600501017407096940         

መወዳእታ ምዝገባ ክሳብ ዕለት 20 መጋቢት 2016 ኢዩ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኤርትራ ጀርመን

E-mail፡ alazarackeza@gmail.com ወይ Russom@arcor.de

Announcement-Partcipation-of-25ID-02