‘ጉጅለ ማዕቀብ ኤርትራን ሶማልን ናብ ዘይምልከቶ ይኣቱ`ሎ’ ኣቦ መንበር ማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት

VOA ‘ጉጅለ ማዕቀብ ኤርትራን ሶማልን ናብ ዘይምልከቶ ይኣቱ`ሎ’ ኣቦ መንበር ማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት

ኣቦ-መንበር ጉዳይ ማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት ራፋኤል ራሚረዝ ዝሓለፈ ሓሙስ ፡ ነቲ ብተቖጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልን ዝወጸ መንፍቓዊ ሪፖርት ብኸፊል ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣቕሪቦም ኔሮም።

ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ኾይነን፡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዛዕባ`ቲ ሪፖርት ዝምልከት መረገጺ ሃገራተን ዘስምዓሉ፡ ፕሮግራም ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዋሽንግተን—
እቲ ሪፖርት “ ኤርትራ ንኣልሸባብ ከምትድግፍ ዘርኢ መርትዖ ኣይተረኽበን” ከም ዝብል ሓቢሮም። ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዕጡቓት ግን ትድግፍ ኣላ ይብል እቲ ሪፖርት።

ወኪል ኣመሪካ ደቪድ ፕረስማን
ወኪል ኣመሪካ ደቪድ ፕረስማን
ወኪል ኣመሪካ ደቪድ ፕረስማን ግን፡ ኣብ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብ ክልዓል እንተኾይኑ፡ ኤርትራ ምስ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ክተሓባበር ኣለዋ፡ እቲ ጉጅለ ድማ፡ ናብ ኤርትራ ንኽኣቱ ክተፍቅደሉ ኣለዋ ኢሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንኣልሸባብ ኣይትድግፍን ዝብል ጸብጻብ ምቕራቡ ከምዘሓጎሶ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ትድግፍ፡ ኣብ የመን ሰራዊታ ኣሰሊፋ`ላ ዝብል ጠቐነ ግን፡ ንዕኡ ዝምልከቶ ኣይኮነን ኢሉ`ሎ።